ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስተራክሽን ክልል ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንሰትራክሽንን ክልል ትግራይ ካብ ፕሮግራም UIIDP ሎት 1 ኮምፒተርን ተዛመድቲን ሎት 2 ናይ ቢሮ ፈርኒቸር አቑሑት ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ዘማላእኹም

ክትወዳደሩ ይዕድም።

✓ በቲ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዝተሓደሰ መቕረባይነት መፍለይ ቁፅሪ/ቲን/ ከቕርብ ዝኽእል ፡፡

✓ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ቅድሚ ጨረታ ምኸፋቱ ናይ ዝሓለፈ 3 ወርሒ ወይ ቅድሚ ጨረታ ምኸፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን ዘቕርብ፡፡

✓ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100.00 ብር /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብስም ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ሒሳብ ቁፅሪ 1000538910318 አታዊ ብምግባር ካብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ኣብ ሐበራዊ/ኮምፕሌክስ/ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቑፅሪ ቢሮ 59 ካብ ዕለት 27/09/2016 ክሳብ 11/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ናይ ስራሕ ስዓት እናመፃእኹም ብምውሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዋናን ቅዳሕን ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳፁን ክተእትው ትኸእሉ ።

✓ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሎት 1 ኮምፒተርን ተዛመድቲን 30,000 ሎት 2 ናይ ቢሮ ፈርኒቸር አቑሑት 30,000/ ሰላሳ ሽሕ ብር/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ትኸእሉ።

✓ እቲ ጨረታ ዕለት 11/10/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ፡ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፉይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 1ይ ደብሪ ቑፅሪ 59 ይኸፈት ፡፡ተጫራቲ ወይ ወከልቶም እንተዘይተረኸቦም እቲ ጨረታ ምኸፋት ኣይታዓናቐፍን ፣

✓ ስዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ቅሬታ መቐበሊ 3 መዓልቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ስራሕ ውዕሊ ክፍርም መኽበሪ ውዕሊ ዘትሕዝ ፣፣

✓ እቲ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 5 ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ናብ ቢሮና አታዊ ዝገብር፣

✓ ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ መወዳደሪ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ ፡

✓ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነፈሲ ወከፍ ነፀላ ኣቕሓ ክሳብ 20% መሰል ምቕናስ ወይ ምውሳኸ

ዘለዎ ምኳኑ፣

✓ ቢሮና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0342400129 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ፡፡

ምስ ሰላምታ

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን