ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ

ምልክታ ዋጋ መቅረቢ/ፕሮፎርማ/

ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ዝተፈላለዩ ናይ ፅርየት ኣቁሒት ብፕሮፈርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::በዚ መሰረት እዞም ዝሰዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ::

መምርሒ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::

2. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፍ ዘለዎ::

3. ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ /TI/ ዘለኩም::

4. ናይ መቕረባይነት ምሰክር ወረቐት ክቕርብ ዝክእል::

5. ምሰ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኸእሉ ምኳንኩም እናገለፀና መወዳደሪኩም ሸም፣ኣድራሻን፣ ናይ ትካልኩም ማህተምን ፣ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፓሰታ ካብ ዕለት 27/09/2016 ዓ/ም ክሳብ 30/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትክእሉ፡፡

6. እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 30/09/2016ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓዕዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡30ኣብ ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ቁፅሪ 08 ይከፈት

7. ብእቲ ዝቐርብ ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን አለዎ እንተዘይኾይኑ ግን ተቐባልነት የብሉን::

8. አብ ዋጋ መውሃቢ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ግልፂን ዘይኾነ ዋጋ ምምላእ ተቐባልነት የብሉን::

9. ካብዚ ዝተሓተተ ንብረት ወፃኢ ብባዕልኻ ዓይነት ቐይርካ ዋጋ ምምላእ ብፍፁም አይፍቀድን::

10. እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፎርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቤት ፅ/ት ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኾይኑ ሰለ ዘግልግል እቲ ሰራሕ አረጋጊፆም ዋጋ ይምልኡ ::

11. ስለዚ ኣነ በዓል ትካል ነዚ ዝተወዳደርኩሉ ስዓራይ እንተኮይነ ነቲ ቤት ፅሕፈት ብዘይምትእጉጓል ኦርጅናል ዝኮነ ሰራሕ ብስፈሰፊኬሽን መሰረት ንከቕርብ ሓላፍነት ወሲደ ተስማሚዔ ኣለኩ ::

12. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን እቲ ጨረታ ፕሮፎረማ ተራእዪ ሰዓራይ ካብ ዝተፈለጠለ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ናይ ሰራሕ መዓልቲ ይኸውን::

13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዪ፡፡

14. ናይ ቤት ፅሕፈትና ቲን ቁፅሪ 0026444876 ከምዝኮነ ንሕብር::

15. አቲ ሰነድ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቁፅሪ 08 ኣታዊ ትገበር::

16. ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና መፀእካ ምውሳድ ይከኣል::

17. ንተወሳኺ ሓብሬታ ብሰልኪ ቁፅሪ ዩ - 03 44-41 65 70/0914748486/0945825857 ሓዱሽ ህንፃ ፊትንፊት ርእሰ ምምሕዳር ክ/ ትግራይ