ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳርን ፋይናንስን ከተማ ማይ ካድራ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ:  ናይ ግብሪ ከፋለይ መለለይ ቁፅሪ :ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ምዝገባ ምስክር ወረቀት ቫት ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ዓም ቫት ሪፖርት ዝገበርክምሉ ዲክለሬሽን ዘለዎምን ከቅርቡ ዝክእሉን

2 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ናይ ትካል ማሕተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፊርማን ክዕርፍሉ ይግባእ

3 ጨረታ ኣብ አየር ዝፅንሐሉ እዋን ካብ 21 ጉንበት 2016 ዓም ክሳብ 5 ሰነ 2016 ዓም ይከዉን

4 ጨረታ 6 ሰነ 2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት ቅድም ቀትሪ 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊያን ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተወዳደርቲ በዘይ ምቅራቦም ምክፋት ጨረታ ኣይተአጎጎልን

5 ተጫረቲ ኣብዚ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካል ማሕተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፊርማን ክዕርፍሉ ይግባእ

6 ኣብ ሕድሕድ ዋጋ መምሊኢ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን እነተሃልዎ ድማ ተቀባልነት የብሉን

7 ተወዳደርቲ ዝመለእዎ ዋጋ ተወሳ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ወይ ዘይሐወሰ ምካኑ መብርሂ ክፅሕፉ ይግባእእነተዘየተፃሒፍሉ ግና ምስተወሳኪ እሴት ታክስ ተሓሳቢ ገይሩ ይዉሰድ

8 ተወዳደርቲ መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ቢሮ 5000 ቅርሺ : ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ  : ንመሳርሒ ሕትመት 3000 ከትሕዝ ዝክእል

9 ሰዓራይ ምስተፈለየ 10 ሚእታዊ ካብ ጠቅላላ ዘሸነፎ ንብረት ዉዕሊመከበሪ ከትሕዝ ዉዕሊ ክኣስር ፍቃደኛ ዝኮነ

10 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል

10 ኣብዚ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፈተነ ተጫረቲ ካብ ዉድድር ወፃኢ ከምዝከዉን ንቀፃሊ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕድጋ ከይሳተፉ ከምዝግበር ካልኦት ኣድለይቲ ስጎምቲታት ምዉሳድ ከምዝክእልን ክፈልጡ ይግባእ

11 ከምእዉን ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 15 ተከታተልቲ መዓልቲ  ይከዉን

12 ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ 20 ሚእታዊ ምዉሳክን ምቅናስን መሰል አለዎም

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ኣድራሻ ሽረ እንዳስላሴ ኣብ ጊዝያዊ ቤት ፅሕፈት ቀበሌ 04 ንግዲ ባንክ ኢትዪጰያ ቅርንጫፍ እንዳስላሴ ሽረ ፊት ንፊት ጥቃ ሃይላይ ሆቴል ዳቦ ይበይን ዓብዱ ባሻ መዕረፊ ኣጋይሽ ዝበሃል ዝነበረ ሆቴል ካልኣይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ይርከብ

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ  0988836240