ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ገርዓልታ

ምልክታ ግልፂ ጭረታ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ኣብ 2016 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤክትሮንስን ፅሕፈት መሳርሒ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ብዙይ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቁሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም ።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ነጥቢታት

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ መቅረባይነትን ግብሪ ከፋለይ መለለይ ቑፅሪ (TIN) ከቅርብ ዝኽእል ።

2. ተወሳኪ እሴት ታክሲ (VAT) ዝተመዝገበን ናይ ወርሒ መዝያ 2016 ዓ/ም ዘሓደሱ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

3. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ /ብCPO/ ንፅሕፈት መሳርሒ 3,000.00 ብርን ፡ ኤሌክትሮንስ ንዴስክ ቶፕ 8,000.00 ንፕረንተር 7,000.00 ብር ክልቲኡ ዝወዳደሩ 15,000.00 ከቅርብ ዝክእል ።

4. ሰነድ ጨረታ ዝሽወጠሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ሰዓት 2:30 ክሳብ ሰዓት 11:30 ምግዛእ ይከኣል ።ናይ ሰነድ መሸጢ ዋጋ ንሕድ ሕድ ዘይምለስ 200.00 ብርጥራሕ ይኸውን።

5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ 15 መዓልቲ ይኸውን።

6. ዝሰዓሩ ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መፅዓኒ መራገፊን መጋዓዝያን ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምም/ፋይናንስን ከቅርቡ ዝኸእሉ።

7. ተወዳደሪ ሰዓራይ ዝኸውን ኣይተም ብኣይተም ዘሸነፈ እዩ።

8. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓለ ዕለት ካብ 19/09/2016 ዓ/ም ክሳብ 07/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ኾይኑ ጭረታ ዕለት 07/10/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅ/ሰዓት ተዓሸጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅ/ሰዓት ይኽፈት

9. ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ መረዳእታ ሽም ፣ ኣድራሻ ፣ ፌርማ ፣ ማህተም ክዓርፎ ኣለዎ ። ተጫረቲ ኣብ

ዘቅርብዎ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን።

10. ጨረታ ብዝተፈላለየ ምክንያት ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጭረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሓዝዎ ትሕጃ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ብምግባር ንቐፃሊ ንከይሳተፉ ይገብር።

11. ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ከምኡ እውን ዝተማለአ መረዳእታ ኣብ ዘቅረቡ ይክፈት

12. ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ሳጥን ምክፋቱ ኣይጫረትንምባል ኣይፍቐደን ከምኡ ንዝበለ ዘትዞ ትሕጃ

ኣይንምልሰሉን።

13. ተጫረቲ ዘቅርብዎ መረዳእታ ኦርጂናልን ፎቶ ኮፒን ነኒበይኑ ዓሽጎም ኦርጂናል ኮፒን ተባሂሉ ይፀሓፈሉ።

14. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-37-02-28-69/09-62-63-52-10/

ልብ ብተወሳኪ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን መፂእካ ምውሳድ ይከኣል እዩ::

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ገርዓልታ