Tigray Regional State Interim Administration Bureau of water And Energy

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ንቢሮና ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ሕትመት ስራሕ ብግልፂ ጨረታ ከስርሕ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም።

ስለዚ እዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም

1. ናይ ዘመኑ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ቲን ቁፅሪ /TIN NO/ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ 2016 ዓ/ም ናይ ወርሒ መጋቢት ቫት ዲክለሬሽን ዘቅርብ።

2. ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ካብ መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ፣ ካብ ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 19/09/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 04/10/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ንሕድሕድ ዓይነት ጨረታ ዘይምለስ ብር 100 ብምክፋል ምውሳድ ይክኣል።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ 5000 ብር CPO ሒዞም ክቐርቡ ኣለዎም።

4. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 04/10/2016 ዓ/ም ስዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት።

5. አብ ውሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኦርደር ምሰ ወሰደ ካብ ዝሰዓሮ 10% po ኣትሕዙ ውዕሊ ክኣስር አለዎ።

6. ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ፊርማን ክቢ ማህተምን ክዓርፈሉ ኣለዋ።

7. ኣብ ዝቀረበ መረዳእታ ዝሃሰሰ ወይ ስርዝ ድልዝ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን ።

8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብክልተ ፖስታ ነኒ በይኑ ሐደ ኦርጅናል ሐደ ኮፒ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል።

9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

10. ኣድራሻና ቢሮ ማይን ኢነርጅን መደበኛ ጉጅለ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 13 ።

11. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኸፈትን በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን።

12. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪቁፅሪ 0951166765/0914704663 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ።