የጭላ መባእታዊ ሆስፒታል

መምርሒ ተጫረቲ

የጭላ መባእታዊ ሆስፒታል ከ/ስ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት(ስፔር ፓርት) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

❖ ዕደጋ ፈፃሚ ኣካል የጭላ የጭላ መባእታዊ ሆስፒታል ከ/ስ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር

1. ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍላይ ቁፅሪ /TI/ ከቅርቡ ዘኽእሉ

2. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቐት ከቅርቡ ዝኽእል

3. ናይ 2015 ዓ/ም በቲ መስመር ዝወፀ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም

4. ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት 19/09/2016 ዓ/ም ሳዓት 3:00 ጀሚሩ ዘይምለስ 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ናይ ደኩመንት ዋጋ ብምኽፋል ንተኻታታሊ 10 ማዓልትታት ኣብ የጭላ መባእታዊ ሆ/ል ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብሎክ A 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 01 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ። ድሕሪ ምዕፃው ጨርታ ዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ጨረታ ሰነድ ተቃባልነት ዘይቡሉ ምዃኑእ

5. መክብሪ ጨረታ 5000 ብር(ሓሙሽተ ሽሕ) ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ

6. ተጫረቲ እቲ ጨረታ መክፈቲ ዕለት 30/09/16 ዓ/ም ሳዓት 9:30 ቀትሪ ኮይኑ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ኣብ ውሽጢ 3ተ ማዓልቲ ውዕሊ ክኣስርን መክበሪ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ/ፖሮፎርማንስ ቦንድ /10% ናይቱ ዝሳዓርዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ ኣለዎም እቲ ዘትሓዘዎ መክበሪ ጨረታ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ/ ክሳብ ውዕሊ ዝኣስሩ ዘገልገል ኮይኑ ውዕሊ ምስኣስሩን ናይ ውዕሊ መክበሪ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ /ፖርፎርማነስ ቦንድ/ ምስ ኣትሓዙ ዝልቀቅ ይከውን

7. መኽበሪ ውዕሊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ዘትሕዝ ውዕል ብዝኣሰርዎ መሰረት ኦርጂናል ንብረት (ስፔርፓርት)ምስ ኣቅረቡ ይልቀቐሎም/ለን።

8. ተጫረቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ተመሳሳሊ ንብረት ዝመልእዎ ዋጋ ማዕረ እንተኾይኑ እቲ ንብረት ማዓረ ተማቒሎም ዘቅርቡ ምዃኖም እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ተጫረቲ በዝሒ ንሓንቲ ንብረት ጥራሕ ማዓረ ዋጋ እንተመሊኦም ሳዓራይ ብዕ ይፍለይ

9. ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ /ኦርጅናልን ኮፒን /ተዓሽጉ ዝቐርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ግልፂ ኮይኑ ብናይቱ ድርጅት ላዕለዋይ ሓላፊ ተፈሪሙን ማህተም ዓሪፍዎን ምስ ምሉእ ኣድራሽኡን ሰነዱን ይቐርብ

10. እቲ ጨረታ ሰነድ መረከቢ እዋን ዘብቀዐሉ ግዜ ዕለት 30/09/16 ዓ/ም ስዓት 9፡00 ተዓፅዉ ብተማሳሳሊ ዕለት ስዓት 9፡30 ኣብ የጭላ መባእታዊ ሆስፒታል ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብሎክ A 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 01 ይክፈት

11. ኣብዚ ጨረታ እዚ ኣከራካሪ ነገር እንትፍጠር ቤት ፅ/ትና ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

12. ኣብዚ ግልፂ ጨረታ እዚ ሳዓራይ ዝዃነ ተዋዳዳራይ ኣብ ኣቅርቦት ብምጠን፣ ብዕሬትን ብግዜን ዝተደገፈ ዘቅርብ ይኸውን

13. ቤት ፅሕፈትና ምስ ዘሎ እዋናዊ በጀት ዝግዛእ መጠን ንብረት ካብ ሕድ ሕድ ነፀላ ዋጋ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ

14. ተጫራታይ ኣብ ዝረዝር ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ

15. ተጫረቲ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልይዎም ጥርዓኖም 3ተ ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ቅድሚ ምሕላፉ ቅሬተኦም ናብ ላዕላዋይ ሓላፊ ከቅርቡ ይክእሉ እዮም

16. ኣብ ከይዲ ጨረታ ከጭብርብር ዝሙኩር ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኸውንን ፣ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከም ዝግበርን፣ዘተሐዙዎ መኽበሪ ጨረታ ከም ዝውረስን ፈሊጦም ስረዓት ጨረታ ኣኽቢሮም ዝኣትው እዚ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ  ግዜ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ጀሚሩ ን40 ማዓልትታተ ጥራሕ ይኸውን 

ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 ብዘሎን ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሕ ብዝእዝዞ መሰረት ይፍፀም፡፡

ኣብዚ ዝሰፈረ ምስቲ ኣዋጅ መምርሕን ዝጋነዕ ቃል ከም መምርሒ ኮይኑ ኣየግልግልን፡፡

መተሓሳሰቢ

● እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ንብረት ሳዓራይ ዝዃነ እቲ ንብረት ኦርጂናል ፅሩይ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ መፅፀንን መራገፍን ናብ ዝታዳለወ ጋራጀ

ያሬድና ግደይ ጀነራል መካኒክስ ሕ/ሽ/ማ ኣብ መቐለ ዝርከብ ኣታዊ ይገብር ቤት ፅሕፍትና ፅሬቶም ተረጋጋፆም ኣታዊ ናይ ዝዃኑ ንብረታት ጥራሕ ክፍሊት ዝፍፅም ይኸውን

● ሳዓራይ ዝዃነ መቅረባይ እቲ ንብረት ካብ ዘቕረበሉ እዋን ጀሚሩ ንዘቅረቦም ንብረታት እቲ ቤት ፅሕፈትና ውሕስና የድልዮም ንዝበሎም ንብረታት ውሕስና ውዕሊ ክኣስር ዝክእል ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ ።