ዉቕሮ ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ

1 ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትድልዩ ሕጋዊያን ተጫረታ ምስ ዘቅርብዎ ኣቅሑ ዝተትሐዘ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መረዳእታ ከፋሊ ግብሪ ምካኖም ዘረጋግፅ ግብሪ ከፈልቲ ዝተዉሃበ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

3 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ምካኖም ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳአታ ከቅርበ ዝክእል

5 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዉቅሮ ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ክፍሊ ቁፅሪ 24 ብምዉሳድ ዝወዳደረሉ ዋጋ መሊኦም ኣብ ዉሽጥን ኣብ ደገን ፖስታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ፅሒፎም ፊርሞምን ማሕተምን ብዝተዓሸገ ዋና ቅዳሕን በበይኑ ብምግባር ክሳብ 4/10/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ክገብሩ ይክእሉ

6 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 4/10/2016 ዓም ሰዓት 3:10 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ተዘይሃሎም እዉን ኣብ ዉሽጢ ሳፁን ዝተረከበ ኣዉፂእካ ብስርዓት ይክፈትን ይግምገምን

7 መከበሪ ጨረታ ዝከዉን 10000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

8 ሰዓራ ምንካኖም ካብ ዝተገለፀሎም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ናይ ዘቅረብዎ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብጥረ ገነዘብ ወይድማ ስፒኦ ኣትሒዞም ዉዕሊ ብምእሳር ኣብ ሓሙሽተ ተከታተልቲ መዓልቲታት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ናብ ዉቅሮ ሕርሻ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ኣታዊ ከገብር ዝክእል

9 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914115651 0914164502