ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -24 -

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕል ብሓፂን ዝተሰርሐ ሳንዱቅ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ‛ መቅረብቲ ትካላት

• ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኹም።

• ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከቅርብ ዝኸእል።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ አለዎ።

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 19/09/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።

• ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 22/09/2016ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም  አብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን።

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን

• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ

• ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ኣድራሻና፥ 

ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረትን ።


ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካአል።