ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ሸራሮ

1 ሕጋዊ ዝኮነ ናይ ሎደር ወይ ናይ ማሽነሪ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ከምእዉን ናይ 2016 ዓም ዝሐደስኩም በቲ ዘፈር ናይ 2016  ዓም ዝተሐደሰ ናይ ፋይናንስ መቅረባይነት ዘለኩም ሕጋዊ ዝኮነ ማሕተም ዘለኩም ሕጋዊ ዝኮነ ቅበሊት ክተቅርቡ እትክእሉ

2 ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኵም ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘሎ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድክምሉ መረዳታ ክተቅርቡ እትክእሉን

3 ናይ ሎደር ወይ ናይ ማሽነሪ ዝብል ሌብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ኩሉ መረዳእታኩም ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ብምትሓዝ ዓሺግኩም ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እተእትዉን ዋና መረዳእታኩም እተእትዉን

5 ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማማኒ ዝከዉን ብሕጋዊ ቼክ ማለት ስፒኦ 16000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ

6 ሰዓራይ ምኮንኩም ምስተፈለጠ ድሕሪ ናይ ቅሬታ ግዜ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት መፂእኩም ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ

7 ኣብ ዉዕሊ ምእሳር ካብ ዝሰዓርክምዉ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሕጋዊ ስፒኦ ማለት ቼክ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ክተትሕዙ እትክእሉ

8 ካብ ዉዕሊ ዝአሰርሉ መዓልቲ እንተሕሊፎም ወይ እንተሕሊፎም ኣብ ዉሽጢ 1 መዓልቲ 0.1 %  ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ወይ ዝሰዓርኦ ዝቅፀዓ ዝቅፅዑ ኮይኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10 ሚእታዊ እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዝጋጃ ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ሒሳብ ክፍሊ ከፊልኩምክትወስዱ ትክእሉ

10 ሰነድ ጨረታ ካብ 14/9/2016 ዓም ክሳብ 28/9/2016 ዓም አብ ዘሎ ግዜ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዝጋጃ ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ካለኣይ ደብሪ ዕደጋ ክፍሊ ብምምፃእ ክትወስዱ ትክእሉ

11 ጨረታ ዝዐፀወሉ ዕለት 29/9/2016 ዓም ሰዓት 4:30 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት5 :00 ይከዉን

12 ናይ ነብስወከፍ ዝምልእ ዋጋ ኣብ ናይቲ ቤት መዘጋጃ መቅረቢ ዝርዝር ሰንጠረዥ ጥራሕ ዝምላእ እንትክዉን ኣብ ነፀላ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋን አፈላላይ ክህልዉ የብሉን

13 ብተወሳኪ ኣብ ዝምልእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ናይ ባዕልካ መብርሂ ምጥቃም ኣይፍቀድን

14 ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ ምጭብርባርን ምድንጋራን እንተፈፂሙ ካብቲ ወድድር ጨረታ ዝሰናበት ይከዉን

15 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

16 ጨረታ ዝክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ እንትከዉን ወይድማ ኣብቲ ጨረታ ፖስታ ኣብ ዘየለክሉ ይከፈት ብምባል ክፍርሙሉእን ማህተም ክገብርሉን ይግባእ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0932037840 / 0914778526   0914778338