ትካል መቐለ ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእከል

ምልክታ ጨረታ ስራሕቲ ሕትመት ስቲከር

ዋኒኑ ኣብ ቀዋሚ ንብረት ዝልጠፍ ስቲከር/Tag Number/ ኣወዳዲርካ ምስራሕ ይምልከት

ትካል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ማእኸል መቐለ ብቀዳማይ ደረጃ ስቲከር ዝተፈላለየ 1405 ብዝሒ ዘለዎ ቀዋሚ ንብረት/Tag Number/ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ንቶም ኣብ ታሕቲ ዝቅመጡ ዝርዝር መዐቀንታትን /መስፈርቲ/ እተማልኡ ኣብዚ ዓውደ ስራሕ ዝተዋፈርኩም ብቻ ኣብዚ ጨረታ ንምስታፍ ድልየት ዘለኩም ብምዕዳም ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፉ ትካላት ይኹኑ ውልቀ ሰባት እዞም ዝስዕቡ መስፈርቲ ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ።

1-ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

2-ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቁፅሪ ዘቅርብ ክኾን ይግባእ

3-ናይ ከፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሲ መረዳእታ ዘቅርብ ክኾን ኣለዎ

4-ትሕጃ ብስፒኦ ካብ ዘእትዎ ዋጋ 10% ዘይምለስ ከትሕዝ ኣለዎ

5-ዝስራሕ ዝርዝር ስራሕቲ ዝተዳለወ ሰነድ ካብ ቁ.3 ምሳድ የድሊ

6-ዝሰዓረ ትካል ጨረታ ካብ ዝተኻየደሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ

7-ዝስራሕ ስቲከር 1ይ ደረጃ ምዃኑ ምፍላጥ መዓለቲ ሰሪሑ የጠናቅቅ

8-ትካልና እዚ ጨረታ ሙሉእ ንሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

9-ካብ ትካል ዘቅረቦ መማረፂ ወፃእ ዝቀርብ ዓይነት ንብረት ተቀባልነት የብሉን

10-ኣብ ዝምላእ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ተቀባልነት የብሉን

ኣድራሻ

*ትሕቲ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን

*ካብ ዕለት 15/09/2016 ዓ/ም ጀሚሩ-19/09/2016 ዓ/ም

ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት

ዕለት 20/09/2016 ስዓት 3ተ ናይ ረፋድ ይካየድ