ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ‐-09-

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሪክ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ። በዚ መሰረት

. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡

. ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ከተቐርቡ እትኸእሉ

. ቫት ዝተመዝገብኩምን 2016 ናይ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ/ም ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።

. ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡

. መቕረብቲ ካብ ዕለት 14/09/16 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/09/2016 ዓ/ም ሰዓት11:30 ዘይምለስ ብር 200 ክልተ ሚኢቲ / ብምክፋል : ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል፡፡

. መኸበሪ ጨረታ ብር 6000/ሽዱሽተ ሽሕ/ ብጥረ ገንዘብወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መእዘዚ ክፍሊት ቼክ ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም ፡፡

. ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 29/09/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኮይኑ፡ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኸፈት፡፡

. ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን፡፡

. ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ አለዎ

. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፡፡

. ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ቤ/ፅሕፈትና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ አለዎም።

. አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን

. ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ማህተም ናይ ድርጅቱኩም ከዓርፎ ኣሎዎ

. ቤፅሕፈትና ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፡፡

. ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ፡ ጨረታ ፡ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፣

ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ 1" ደብሪ ቑፅሪ‐105 ወይ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይከኣል።