ኮሌጅ ፖሊቴክኒክ መቐለ

ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/1425/0-01 

ዕለት 13/09/2016 ዓ/ም

ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 11/2016 ዓ/ም

መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቕሑት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቕሑትን ሕትመትን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ።

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ/

1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።

2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም።

3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ።

3/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።

4/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ ( ዝረአዩ ) ክኾኑ ኣለዎም።

5/ ኣብዚ ረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 13/09/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15/09/2016 ዓም ልክ ሰዓት 11:00 ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂሕኹም ምዉላድ ትኽእሉ። ድሕሪ እቲ ዝተጠቐሰ ዕለትን ሰዓትን መፂእኻ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ኣይከኣልን።

6/ እፎርማ ጨረታ ዕለት 16/09/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ

ፖሊስ ኮሌጅ ዳሬክቶሬት /ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኸፈት።

7/ ተረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ግን እቲ ራይት ኣጓጎልን።

8/ ለዓይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተግለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።

9/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለትጀሚሩን 7 ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን።

11/ ኣብ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምዕሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ኢልካ ምምላእ ኣይፍቀድን።

12. ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምእታው ኣይከኣልን። 13/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።