ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ

1 ብህንፃ ኮንስትራክሽን ወይ ጀነራል ኮንስትራክሽን ዘርፊ ሕጋዊን ናይዚ ዘመን ዝተሐደሰን ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ ህንፃ ኮንስትራክሽን ወይ ጀነራል ኮንስትራክሽን ምዝገባ ፍቃድ ወይድማ ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ናይ ግብሪ ከፈላይነት መለለይ ቁፅሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ናይ ዘበኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፈኬት ናይ ዝሐለፈ ሰለሰተ ኣዋርሕ ማለት እዉን ካብ ወርሒ ጥሪ እስካብ መጋቢት 2016 ዓም ዘለኩምን ናይዞም ኩሎም ዝተጠቀሱ ዋናን ዘይምለስ ክልተ ቅዳሕን ከትሕዙ አለዎም

3 ተወዳደርርቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 9/9/2016 ዓም ክሳብ 16/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ዘለዉ ተከታተልቲ መዓልቲ ሰነድ 100 ብምክፋል ምዉሳድ ይክእሉ

4 መክበሪ ጨረታ ፕሮፎርማ 50000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ፅምብላ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ባንኪ ስፒኦ ከቅርቡ አለዎም 

5 ነቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ዝሰዓረተ ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዉፅኢት ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ቅሬታ መቅሪቢ ግዚ ምስሐለፈ መከበ አብ ዘለዉ ሰለሰተ ተከታታሊ መዓልቲ መክበሪ ዉዕሊ ሒዚ ብምቅራብ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

6 ነቲ ፕሮፎርማ ዝሰዓራይ ተጫረቲ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ነቲ ጠቅላላ ስራሕ ክሳብ 30 ሰነ 2016 ዓም ነቲ ስራሕ አጠናቂቁ ከረክብ አለዎ ተጫረቲ እኩል ልምድን ዓቅምን ከምዘለዎም ምካኑ ነዚ መረዳእታ ክከዉን ድማ ቅድሚ ሕዚ ብስራሕቲ ማይ ተንከፈ ኮንስትራክሽን ኣብ ሐደ ፕሮጀክትን ኣብ ሐደ ዉዕሊን እንተናአሰ ናይ 3000000 / ሰለሰተ ሚልዩን ቅርሺ /  ብኣግባቡ ሰሪሖም ዝጠናቀቁ ንምካኖም ካብ ዝሰርሕሉ ትካል መረዳእታ  ከቅርቡ አለዎም

7 ናይ ጨረታ መወዳደሪ ሰነድ ኣብ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፐ ክሳብ ዕለት 16/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረደ ፅምብላ ክበፅሕ አለዎ

8 እቲ ጨረታ ሳንዱቅዕለት16/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተፃፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ  ብግልፂይክፈት

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ