መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማ/ተ/ሰትግራይ መለስ ካምፓስ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ 'ምግብነት ግልጋሎት ዝውዕል ኣስቤዛን ውጺኢት ባልትናን ብግልጺ ጨረታ ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ኣድላዪ ዘበለ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ኑጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከረክቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 10/09/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 24/09 /2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ከተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፐስፊኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።።

6) ናይ ባልትና እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 24/09/2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ 4፡00 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 4:30 ሰዓት ይኽፈት።

7) ናይ ኣስቤዛ እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 24/09/2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 8፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 9:00 ሰዓት ይኽፈት።

8) ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

9) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150 (ሓደ ሚኢቲን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

10) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

11) ስዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ፡፡

12) ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ

ይግባእ።

13) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መስት ሕልው እዩ።