ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ ማይ ትግራይ

ቁፅሪ/Ref no ኢመዲቁ 4200/1-0/16

ዕለት/Date 05/09/2016

ግልፂ ጨረታ

ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ ኣቑሑትን ናይ ዕገና ስራሕቲ ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ካብዚ ቐፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማሉኡ ተወዳደርቲ ትካል ዘዳሎዎ ጨረታ ሰነድ ወሲድኹም ንክትወዳደሩ ንዕድም::

1. ብዘርፉ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ክተታሓሕዙ እትክእሉ፡፡

2. ናይ መቕረባይ ምዝገባ ሰርትፊኬትን IN ቑፅሪ ዝሓዘ ኮፒ ክተታሓሕዙ ትኽእሉ፡፡ ̆

3. ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርትፊኬት ኮፒን ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ፡፡

4. ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብ C.P.O. ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝኸእሉ፡፡

5. ጨረታ አሸናፊ ኾይኖም እንትርከቡ ኣብ ውሽጢ 5' መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሮም ስራሕ ክጅምሩ ዝኸእሉ፡፡

6. ጨረታ አብ አየር ዝፀንሓሉ ጊዜ ካብ ዕለት 05/09/2016 ዓ/ም ክሳብ 19/09/2016 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ስዓት 4፡00 ተዓሽጉ ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

7. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቑ 0344418556 ወይም 0914-786075 ምርካብ ይካአል እዩ፡፡

“ምስ ሰላምታ