ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ

1 ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈሉልን በቲ ዘፈረ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ከፋሊ ግብሪ እዉን ዘለዎ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከቅርብ ዝክእል

3 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ እዉን እዋናዊ  ናይ ሳለሳ መጋቢት 2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይ እዉን ግበሪ ሒሳበ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልከታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 23/8/2016 ዓም ክሳብ 15/9/2016 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 2:30 ንጉሆ ክሳብ 11:30 ድሕሪ ቀትሪ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዓዲግራት ቢሮ ቁፅሪ 17 ብኣካል ብምቅራብ ምዉሳድ ይከኣል

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል

6 ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ኮይኑ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ጀሚሩ ክፍቲ ይከዉን

7 ሳነዱቅ ጨረታ 16/9/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ከተማ ዓዲግራት ክፍሊ ቁፅሪ 17 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

8 ሰነድ ጨረታ ክምላእ ከሎ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዎ ክታም ባዕል ዋና ክህልዎ አለዎ

9 እቲ ዝምላእ ዋጋ ምስ ቫቱ ክምላእ አለዎ በዛዕባ እሴተ ታክስ ዘይተገለፀ ተኮይኑ ግና እቲ ዝተመለ ዋጋ ምስ ቫቱ ወየ እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘማለአ ተገይሩ ተሓሳቢ ይግበር

10 ኣብ ነብሰ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፊርማ ናይቲ ትካል ክገበሩ ይግባእ

11 ኣቅሑት ናይ ምጎዓዓዝ ሓላፍነት ድማ ብመቅረባየ ይከዉን

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 ንተወሳኪ ሐበሬታ 0995483976 / 0929746335