ማእከል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ

ቁፅሪ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መ/13989%

ዕለት Date 118/2016 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ናይ ዕሬት ኣቑሑት ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡ እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ፣ ቫት ሰርትፊኬትን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎምን ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቫት ከይሓወሰ(ብዘይ ቫት) ንሓደ ዝሸጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 15/08/2016 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ ዕለት 29/08/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸውን ይግባእ፡፡

5. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 29/08/2016 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ተዓዕዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ይኽፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

7. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ፡፡

8. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ፡፡

9. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ እቲ ትካል 7.5% ቫት ዘኽፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም ።

10. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ጠቕሊሉ ኣታዊ ክገብር ይግባእ፡፡

11. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

12. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዋ ጌጋ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቀ ክትመልኡ ይግባእ፡፡