ኤጀንሲ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ምምሕዳርን ኣጠቓቅማን መሬት ትግራይ

1 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርቡ አለዎም : ኢሉዉን መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፋሊ ግብር : ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበሉ መረዳእታ ናይ የካቲት 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘቅረብሉ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 መከበሪ ጨረታ 2000 / ክልተ ሽሕ ቅርሺ / ኣብ ቴክኒካል ብምትሕሓዝ ከቅርቡ ዝክእሉ

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 / ክልተ ሽሕ ቅርሺ / ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል

4 ጨረታ ዝወፀሉ 11/8/2016 ዓም

5 ጨረታ ዝዕፀወሉ 29/8/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ኮይኑ ዝከፈተሉ ድማ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ይከዉን

6 ዝተስዓሩ መቅረብቲ ወይ እዉን ግልጋሎት ዉሃብቲ ጨረታ ኣናሊስስ ምስተወደኣንን ሰዓራይ ተፈሊጡ ውዕሊ ምስ ተኣሰረ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ ይምለሰሎም

7 እቲ ቤት ዕዩ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

8 ተጫራታይ ዘቅርብዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ወይ እዉን ዘይሐወሰ ምካኑ እንተዘይኣማላኪቱ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከምዝመለአ ይቁፀር

9 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሸጢ 30 መዓለቲታት ይከዉን

8 ተጫረቲ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነንበይኑ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ዋናን ቅዳሕን ብምባል ነንበይኑ ብምግባር ከቅርቡ አለዎም

9 ቴክኒካል ካብ ሚኢቲ/100/ ዝሕሰብ ኮይኑ ሰማኒያ /80/ ልዕሊ ሰማኒያን ናይ ዘምፁ ቴክኒካል ዝሐለፉ ይኮኑ  ብመሰረት ድማ  ቴክኒካል ናይ ዝሐለፉ ጥራይ ፋይናንሻል ዝክፈት ኮይኑ ፋይናንሻል ድማ ዝተሐተተ ዘቅረበ ዋጋ ሰዓራይ ይከዉን

10 ናይ ቫት ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ነትርፍ ምኮና ንገልፅ

11 ቅደሚ ክፍሊ ኣይፍቀድን

12 ጠቅላላ ክፍሊት ድማ በቲ ዝወፀ ዝርዝር መሰረት አታዊ ከምዝገበረ ወይ እዉን ወዲኦ አሎ ዝብል ብበዓል ሞያ ትካላት ምስተረጋገፀ ክፍሊት ይፍፀም

13 ሰዓርቲ ተጫረቲ ናይ ዝሰርዎ ንብረት 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብስፒኦ መልክዕ ከትሕዙ አለዎም

14 ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለትን ሰዓትን ይክፈት

15 ኣብ እዋን ጨረታ ምክፋት ተጫራታይ እንተዘይተረኪቡ ካብ ምክፋት ዝዓግተ ነገር የለን

16 ከይዲ ጨረታ በዘይኣገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሕትትን ኣብ ዝኮነ ጨረታ ንከይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዘክይድ/ ዘብፅሕ ስጉምቲ ዘስዕብ ምኮኑ እዉን ተጫረቲ ክፈልጡ አለዎም

ንዝበለፀ ሐበሬታ ድማ እንዳማሪም ብጉስ ህንፃ ቀደማይ ደብሪ ምሕታት ይከኣል