ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ 2016 ዓም ዘለኩም : ዝተሐደሰ መቅረባይነት ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

2 ተጫረቲ መለለይ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ዕ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገበቲ ምካንኩም መረዳእታ ቅዳሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

3 ተጫረቲ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ኮይኖም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘቅርቡ ወይ ብፊደራል ኤጀንሲ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ኣብ ዘዳለዎም መርባብ ሐበሬታ ዝተመዝገብሉ መረዳአታ ዘቅርቡ

4 ኣብ ሰነድ ጨረታ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽም : ፊርማ : ኣድራሻ : ሕጋዊ ማህተም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ ሰነድ ጨረታ ክግበረ አለዎ

5 ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ካብዚ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ አብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅራባ ተቀባለነት የብሉን

6 ብተወሳኪ ድማ ተወዳደርቲ ኣብ ነብሰወከፍ ኣቀሓ ናይ ተወሳኪ እሴት ታስክ ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቀ ትክክለኛ መቅረቢ ነፃላ ዋጋ ከቀምጥ አለዎም

7 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ በቢዝምልከቶም ዘፈር ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ : ብባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፈሊት ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ብሰፒኦ ወይ እዉን ብባንክ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲት ክትሕዙ ይግባእ

8 ናይ ኤሊክትረክ ኣቅሑት ኤልክትረክ እስትሪት ላይት 50000 / ሓምሳ ሽሕ ቅርሺ/ ከትሕዙ ዝክእሉ

9 ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፈሊ ቁፅሪ 4 ዘይምለስ 300 ቅርሺ ጥራሕ እናከፈልኩም እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 26/7/2016 ዓም ክሳብ 11/8/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ክትወስዱ ትክእሉ

9 እቲ ጨረታ 11/8/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅደሚ ረፋድ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 11/8/2016 ዓም  ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተዘይሃለዉ እዉን ኣብ ዉሽጢ ጨረታ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈት

10 ዝቀርበዎ ዓይነት ንብረት ዝርዝር መግለፂ/ ስፔስፊኬሽን/ ምስ ሰነድ ጨረታ ተታሒዙ ይርከብ :ካምኡድማ ዝቀረበ መርኣይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 4 ምርኣይ ይከኣል

11 ተጫራቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ ጀሚሩ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ግዜ ማዕልቲታት መሰረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከረክቡ ዝክእሉ

12 ሰዓራይ ዝፍለ ብነፀላ ኣቅሕ ምካን ክፍለጥ አለዎ

13 ሰዓራይ ዘቅርቦ ንብረት ብዘርኣናይ መቅረቢመሰረት ከቅርብ ዝክእል ምካኑ ክፍለጥ አለዎ

14 ተወዳደርቲ ንዝመለእዋ ሰነድ ጨረታ ዋና ንበይኑ ቅዳሕ ድማ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብዝተኣሸገ ፖስታ ኢንቨሎፕ ብምምፃእነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይከኣል

15 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ከረክቡ ዝክእሉ

16 ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረከቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስረዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0922883981