ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ማረት መተሓባበሪ ቤት ፅ/ት

1 ናይቲ ዝግዘእ በዝሒ ዕስራ ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስን ይከኣል እዩ

2 እተመልእዎ ዋጋ አብ ምስዚ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተታሓሐዘ ፎርም ክትመልኡ ነተሓሳስብ

3 ሕድሕድ ገፅ ዕለትን ፊርማን ማህተምን ክዓርፈሉ አለዎ

4 ዝተሐደሰ ናይ 2008 ዓ/ም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ/ዋ ከምኡዉን ቫት ዝተመዝገበ ክኸዉነ አለዎ

5 ንሕድሕድ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ በቲ ምሰዚ ናይ ጨረታ ሰነድ ተታሓሒዙ ወይም ተገሊፁ ዘሎ መዴልን ደረጃን መሰረት ከቅርብ ዝክል

6 አብ ናይ ጨረታ ሰነድ እትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀበልነት የብሉን

7 እትመልአዎ ዋጋ ናይ መፅዓንን ትራንስፖርትን ወይም መጓዓዐዚ ዝሐወሰ ምኻኑ ከፍለጥ አለዎ

8 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኸዉን ብር 5000 ሓመሽተ ሽሕ ብር ሲፒኦ ከትሕዙ አለዎም እዚ እዉን አብቲ ዝተዓሸገ ኤንቨለፕ ዉሽጢ ክህሊ አለዎ አቲ መኽበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ምትሓዝ ኣይከኣልን

9 ንሕድሕድ ደኩመንት ዘይመለስ ብር 50 ሓምሳ ብር ብምክፋል እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ ማረት ወክአዉላዕሎ ክፍሊ ቁፅሪ 7 ብምዉሳድ ካብ ዕለት 147/2008 ዓም ክሳብ 29/7/2008 ዓ/ም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምስ ከሉ ኣድላይ ሰነዳት ብዝተዓሸገ ኤንቨሎፕ ናብቲ ዝክፈተሉ 29/7/2008 ዓ/ም ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ዝከአል ኮይኑ ጨረታ ሰነድ ዝክፈተሉ ዕለት 29/7/2008 ኮይኑ እዚ እዉን እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም አብዘለዉሉ ዝኽፈት ይከዉን ተጨጫረቲ እነተዘይተረኪቦም እዉን ዝቀረበ ናይ ጨረታ ሰነድ ብስርዓት ይክፈትን ይግምገምን

10 ኣብዚ ዘሸነፈ መቅረባይ እቲ ንብረት ንምቅራብ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር አለዎ

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕለዉ እዩ

12 ሰዓራይ ካብ ዝተነገረሉ አብ ዉሽጢ ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እነተዘይአሲሩ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ አታዊ ይኸዉን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ስቁፅሪ 0344430874