ቤት ፅሕፈት ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት

1 ናይ 2016 ዓም ግብሪ ዝከፈልክምሉን በቲ ዘፈር ስራሕ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

2 ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

4 ንተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብክምሉ ናይ ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ሪፖርት ቅዳሕ ምስ ዋንኡ ክተቅርቡ እትእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ መጋቢት 23 /7/2016 ዓም ከሳብ 7/8/2016 ዓም ሰዓት 11:00 ጥራሕ ዘይምለስ 300 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ከይዲ ስራሕ ትልምን በጀትን ዕደጋ ንብረትን ምምሕዳር ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 102 ምዉሳድ ትክእሉ

6 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ንምድብ ሐደ 20000 /ዒስራ ሽሕ ቅርሺ /:  ንምድብ ክልተ 20000 /ዒስራ ሽሕ ቅርሺ ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ብባንኪ ዝተረጋፀ ቼክ ወይድማ ጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምክፈቱ ከትሕዙ አለዎም

7 ሳንዱቅ ጨረታ 8/8/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓሽጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ይከዉን

8 ዝምልእ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሐወሰ ክከዉን ይግባእ

9 ኣብቲ ዝምልእ ዋጋ ብዝዓብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘይተገለፀ እንተኮይኑ እቲ ዝምለእ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝተመለአ ተሓሳቢ ይግብር

10 ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝቁፀር ኣብ ዉሽጢ 30 ተከታታሊ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ዓዲግራት ካልአይ ደብሪ ቁፅሪ 203 ከረክብ ዝክእል

11 ኣብ ሕድሕድ ገፅ እሪ ሰነድ ማሕተም ፊርማን ናይቲ ትካል ክግበረሉ ይግባእ

12 ብተወሳኪ ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ዓሺጉ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ክገብር አለዎ

13 ካብዚ ወፃኢ ዝኮነ ይኵን ሕቶ ቤት ፅሕፈትና ዘይተኣናግድ ምካኑ ነፍልጥ

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0920761693 / 0914730881