ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ

1 ናይ 2016 ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳአታ ከምእዉን

3 ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

4 ምስክር ወረቀትተወሰክቲ እሴት ታክስ ክተቅርቡ ናይ ዝሐለፈ ሰለስተ ሒሳብ ዘፍለጥክመሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 መክበሪ ጨረታ ንነብሰከፍ ሎት 20000 / ዒስራ ሽሕ / ብመልክዕ ስፒኦ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ወይ እዉን ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ሐደ ዋናን ሐደ ቅዳሕን ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ

7 እቲ ጨረታ ካብ 19 መጋቢት 2016 ዓም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኣብ አየር ዝፅንሕ እንትከዉን ዕለት 3 ሚያዚያ 2016 ዓም ቅድሚ ቀትሪ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ይክፈት

8 ሰዓራይ ትካል ብዝተዉሃቦ ዝርዝር ረቆሒ መሰረት መወዳደሪ ከቅርብ አለዎ

9 ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ትግራይ አታዊ ይገብር

10 ጨረታ ዝከፈተሉ ዕለት በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ስራሕ ይክፈት

11 ሰዓራት ትካል ብዝቀረበ ዝርዝር ረቆሒ መሰረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ክቅርብ እለዎ

12 ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 42 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

13 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

14 ብተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ክልልና ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 መምርሒ ቁፅሪ 04/2007 ተገዛኢ ይከዉን

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0344404715