ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ

1 ናይዚ ዘበን ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 26 ሚኢቲ/100 ቅርሺ/  ከፊሎም ናይ ጨረታ ሰነድ ክወስዱ ዝክእሉ

2 ተጫረቲ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገብሉ ናይ ቫት ሰርተፈኬትን : ቲን ዝተመዝገብ ምካንኩም መረጋገፂ ናይ ቀረባ እዋን ወርሓዊ ዲክለሬሽን ሙሉ ደኩመንት ከቅርቡ እትክእሉ

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ማለት ቢድቦንድ 8000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ሕጋዉነቱ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ አለዎም

4 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 29 ለካቲት 2016 ዓም ክሳብ 19 መጋቢት 2016 ዓም እዩ ዝዕፀወሉ ዕለት ድማ 19 መጋቢት 2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን ስለዚ ናብ ቤት ፅሕፈትና ኩሉ ግዘ ኣብ ስራሕ ሰዓት እናከድኩም ሰነድ ጨረታ እናመላእኩም ከቅርቡ ይክእሉ

5 ጨረታ ዝከፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 19 መጋቢት 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምእዉን ሰነዳት እንድሕር ተማሊኦም ሕጋዊ ወከለቶም ብዛይ ምርካቦም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት አይተዓናቀፈን

6 እቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልክ ምትራፍ ኣይፍቀድን ዝተጎደለ እንተሃልዎ እቲ ዝመለእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቅቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ

7 ሕድሕድ ገፅ ማሕተም ዕለትን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ከምኡ ድማ ሰነድ ጨረታ ዝመለእኩምዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ጥራሕ እንተኮይኑ እዩ ተቀባልነት ዘለዎ  

8 ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል ማለት እዉን እሰፔሲፊክሽን ምስራዝ ኣይከኣልን

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

10 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914031614 ወይድማ ብኣካል ከይዲካ ኣድራሻና ቀበሌ 03 ዋና ኦዲተር ድሕሪ ኣግኣዚ ኦፕሪሽን ምምሕዳር ዞባ መቐለ