ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ክልል

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ቲን ናምበር ቫት ዝተመዝገብኩም ተኮይንኩም ናይ ቫት ዝተመዝገብክምሉ ሰርተፊኬት መቅረባይነትን ሰለስቲኡ ፎቶ ኮፒ ምስ ዘቅርብ ናይ ዋጋ መግለፂ ብምትሕሓዝ መሊእኩም ብፖስታ ዓሺግኩም ካብ ዕለት 29/6/2016 ዓም ክሳብ 3/7/2016 ዓም ሰዓት 11:30 ናብ ቁፅሪ ክፍሊ 3-18 ምቅራብ ይግባእ ዝቀረበ ፕሮፎርማ ዕለት 4/7/2016 ዓም ሰዓት 2:30 ይክፈት

2 እቲ ዝቐረብ ኣቅሓ በቲ ዝተጠቀሰ ስፐሲፊኬሽን መሰረት ኦርጅናል ክከዉን አለዎ

3 ካብ ዝቀረቡ ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ከቅርብ ዝልክእል

4 ኣብቲ ዝተጠቀሰ ግዜ ዉሽጢ ከተርክቡ ትክእሉ ምካንኩም አረጋጊፅኩምክትመልኡ ይግባእ ሰዓራይ ምስተብሃለ ዘየቅርብ ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ትካል ኣበዚ ቤት ዕዩ ንዘጋጥም ምጉልእላእ ተሓታቲ ይከዉን

5 ኣብ ዘይዘርፊ / ዘይምልከቶ / ዋጋ መሊኡ ዘቅርብ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይግበር

6 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ን 2ተ ስራሕ መዓልቲታት ጥራሕ ይከዉን

7 መምልኢ ዋጋን ሳንፕልን ናይቲ ንብረትን ካብ ቤት ፅሕፈት ጊ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 3-18 መፂእኩም ዉሰዱ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዳ/ዕ/ፋ/ይ/ንብ/ምም/ር ኣብ ዘዉፀኦ በዝሒ ምቅናስ ምዉሳክን ከምእዉን ብሙሉእ ወይ ብክፋል እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344 406451 ምሕታት ይከኣል