ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ

ስለዝደለየ እዞም ቀፂሎም ተዘርዚሮም ዘለዉ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉና መቅረብቲ ክትወዳደሩ ይዕድም

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  2. ሕጋዊ መቅረባይነት ዘለዎ ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  3. ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝበሉ ወረቀት ምስክር ናይ ወርሒ ጥሪ ሒሳብ ዝከበርኩምሉ መረዳእታ ቅዳሕን ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
  4. መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቅዳሕ ገይሩ ከትሕዝ ዝክእል
  5. ሰነድ ጨረታ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ Â ክዉስዱ ዝክእሉ
  6. ጨረታ 23 መጋቢት Â 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 23 መጋቢት 2008 ዓመ ሰዓት 4 ፡30ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  7. መክበሪ ጨረታ Â ንመሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ ንናዉቲ ኤለክትሪክ 3000 ቅርሺ ንናዉቲ ኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ንፈርኒቸር 3000 ቅርሺ ንመለዋወጢ አቁሑት መኪና 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ Â ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ሰዓራይ በቲ መምርሒ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
  9. ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ባዕልዋና ፊርማን ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ተዓሺጉ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ
  10. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0344444916 ወይድማ 0344442866 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

Â