ቤት ፅሕፈተ ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ

1 ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 25/6/2016 ዓም ዘይምለሰ 100 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ንክትጫረቱ ንዕድም

2 መረዳእታ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ 2016 ዓም ክተቅርቡ እትክእሉ

3 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ሕዳር ወይድማ ታሕሳስ 2016 ዓም መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ናይ መቅረባይነት ን2016 ዓም ዝተሐደሰ ክተቅርቡ እትክእሉ

6 መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብስፒኦ ክተትሕዙ እትክእሉ

7 ኣብ ዝተገበረ ጨረታ መሰረት ብምግባር ናይ በዝሒ 20 መእታዊ ምዉሳክ ወይ ምቅናስከምዝከኣል ክትፈልጡ ይግባእ

8 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 25/6/2016 ዓም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈተ

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ  ሐበሬታ 0344210089  / 0344210276