ኣይኪዉ ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ

ግልፂ ጨረታ 02/2016 ዓ/ም

ኣይኪው ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ንምምሃር ምስትምሃር ዝጥቀመሎም ዝነበረ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት (Different Materials) ናይ ኢሌክትሪክ ፣ኮንስትራክሽን፣ኢሌክትሪካል እንስታለሽን ኣይስቲን ኣካውንትንግን ድፓርትሜንታት ዝጥቀመሎም ዝነበረ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ንተወዳደርቲ ይዕድም፡፡

1. ተጫራቲ ዝደለዮ ዓይነት ንብረት ብንፅል ወይ ብጅምላ ክወዳደር ይኽእል እዩ፣፣

2. ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምዃኑ ምስተነገሮ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዘሸነፈሉ ዋጋ ሙሉእ ክፍሊት ክፍፅምን ኣብውሽጢ 5 ሓሙሽተ መዓልታት ድማ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ዝሰዓሮ ንብረት ክወስድ ኣለዎ፡፡

3. ካብ ዕለት 08/06/2016ዓ/ም ክሳብ 13/06/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ቐትሪ ኣብ ኣይኪው ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ብኣካል እናቐረብኩም ዘይምለስ ብር 50.00/ሓምሳብር ብምኽፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ቅድሚ ሰዓት ካብ 2፡30 – 6፡00 ድሕሪ ሰዓት ድማ ካብ 8፡00–11፡00 ሰነድ ጨረታ ገዚእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፡፡

4. ዝትወዳደርሉ ዋጋ ኣብቲ ሰነድ ዝተቐመጠ መበገሲ ዋጋ መሰረት ብምግባር መሊእኹም ከምኡ እውን ዝወሰድክምዎ በዓል 6 ገፅ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተረቲ ፊርማን ማህተምን ብምግባርን ብምትሕሓዝን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ኣይኪው ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ክተእትው ትኽእሉ

5. ጨረታ ዕለት 13/06/2016ዓ/ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ኣይኪው ስፋት ቴክኒካል ኮሌጅ ይኸፈት፡፡

6. ተጫራቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ ጨረታ መኽበሪ ብሕጋዊ ሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10000.00 /ዓሰርተ ሽሕ ብር ክትሕዝ ይግባእ፡፡

ኣብዚ ጨረታ ክልተን ካብኡ ንላዕልን ተጫረቲ ንሓደ ንብረት ወይ ንዝተጫረትዎ ንብረት ማዕረ ዋጋ እንድሕር መሊኦም ማዕረ እንተ ኣምፂኦም ሽዑ ንሽዑ ዳግም ክወዳደሩ ይግበር ሐዚ እውን ማዕረ እንተወፂኦም ድማ ብዕፃ ይፍለዩ፣፣

7. ናይ ዋጋ መምልኢ ቕጥዒ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ ኣይግባእን፡፡

8. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ኣድራሻና፣ 

ከተማ ማይጨው ጥቓ ራያ ቢራ (ሴቶች)

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0911548241 / 0929262292 ደዊልኩም ምሕታት

ይከኣል እዩ፡፡