ማሕበር ኣክስዮን ትካል ማይክሮፋይናንስ ሰሜን

 ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መምርሒ ጨረታ እተማልኡ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ንዕድም።

1) ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምውድዳር ዝስዕቡ ዘገድዱ ሰነዳት ከቕርቡ ይግባእ፡፡

1.1. በቲ ዝወፀ ጨረታ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣

1.2. በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግድ ፈቓድ፣

1.3. ምስክር ወረቐት መቕረባይነት፣

1.4. መፍለይ ቑፅሪ ከፋሊ ግብሪ /TI/፣

1.5. ሻት ሰርቲፊኬት፣

1.6. ታክስ ክሊራንስ ሰርተፊኬት (Tax Clearance Certificate)፣

1.7. ካብ መቕረባይነት ዘይተኣገደ ምኻኑ ዝገልፅ መረዳእታ

otion

2) ተጫረቲ ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒ ነንበይኑ፤ ፋይናንሻል ሰነድ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዓሽም ኩሎም ሰነዳት ኣብ ሓደ ዓብዪ ፖስታ ሽምዓ ብምዕሻግ ከቅርቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ዘይምለስ ብር 300.00 (ሰለስተ ሚኢቲ ብር ጥራሕ) እናኸፈልኩም ኣብ ሞሞና ህንፃ ካብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ትካል ማይክሮፋይናንስ ሰሜን 7ይ ደብሪ፣ ቁፅሪ ቢሮ 706 ካብ 29/05/2016 ዓ/ም ክሳብ 13/06/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ሰዓት ስራሕ ብኣካል ብምብራቕ ሰነድ ጨረታ ገዚእኹም ክትወዳደሩ ትኽእሉ፣

4) ሕድ ሕድ ተጫራታይ መምርሒ ጨረታን ዝርዝር መግለፂ (Specification) ኮምፒውተርን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ብጥንቃቐ ብምንባብን ብምርዳእን ብትኽክል ክልእን ዋግኦም ብትኽክል ከቕርብን ይግባእ። ብትኽክል ከይተመልአ ዝቐረበ ሰነድ ካብቲ ጨረታ ዝስረዝ ይኸውን።

5) ንሕድ ሕድ ኮምፒውተርን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ኣብ ዝምላእ ዝርዝር ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ሰነዳት ስርዝ ድልዝ ዘላዎን ብትኽክል ዘይተመልአን ጨረታ ሰነድ ግዝኢት ብዝፍፅም ትካል ተቐባልነት የብሉን፤ እንተተፈጢሩ'ዉን ተጫራታይ ፈሪሙ ከረጋግፅ ይግባእ። ብትኽክል ዘይተማልአን ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ሰነድ ጨረታ እንተኾይኑ ካብቲ ጨረታ ዝስረዝ ይኸውን።

6) ተጫራቲ ኣብ ሕድሕድ ዘቕርቦም መረዳእታን ሰነድ ጨረታን ማህተምን ፌርማን ክዕርፈሉ ይግባእ። እዚ እንተዘይተማሊኡ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ይኸውን።

7) ኣብ ሰነዳት ጨረታ ሰነዳት ዝሞልእን ዝፍርምን ወኪል እንተኾይኑ ሕጋዊ ውክልና ከቕርብ ይግባእ። እንተዘይኮኑ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ።

8) ተጫረቲ ኣብ ዘቕርብዎ ሕድ ሕድ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ናይ ጨረታ ሰነድ ኢንሸሎፕ ኣብ ልዕሊኡ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ሽም፣ ማህተም፣ ዝርከብሉ ኣድራሻን ስልኪ ቑፅሪን ብምፅሓፍ ኣብ ሞሞና ህንፃ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ትካል ማይክሮፋይናንስ ሰሜን 7ይ ደብሪ፣ ቁፅሪ ቢሮ 706 ኣብ ዘዳለዎ ሳንዱቕ ኣብቲ ዝተውሃበ ግዜ ገደብ ውሽጢ ከእትው ይግባእ።

9) እቲ ጨረታ ዕለት 13/06/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ችካል ማይክሮፋይናንስ ሰሜን (ሞሞና ህንፃ 7ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 706) ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት። ተጫረቲ ብዘይምርካቦም ጨረታ ምኽፋት ኣይተኣጓጎልን። ድሕሪ ጨረታ መዕፀዊ ሰዓት ጨረታ ሰነድ ሒዙ ዝመፀ ዝኾነ ተጫራታይ ተቐባልነት የብሉን።

10) ጨረታ ድሕሪ ምኽፋቱ ዝኾነ ተጨራታይ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ጨረታ ሰነድ ለውጢ ወይ ከዓ ማሓየሺ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ምግላልን ኣይፍቀድን።

11) ትካልና ካብቲ ንጨረታ ዝወፀ ናይ ኮምፒውተርን ተዛመድቲ ኣቑሑትን በዝሒ፤ ጨረታ ምስተኸፈተ ብ20% (ብዕስራ ሚኢታዊ) ክውስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል።

12) ተጫረቲ ናይቲ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ እንተነኣሰ 2% (ክልተ ሚኢታዊ) መኽበሪ ጨረታ ሲፒኦ (CPO) ከቕርቡ ይግባእ። ትሕቲ ክልተ ሚኢታዊ ዘቕረበ ተጫራታይ ካብቲ ጨረታ ዝስረዝ ይኸውን። ንመኽበሪ ጨረታ ዝቐርብ ጥረ ገንዘብ ወይ ኢንሹራንስ ቦንድ ተቐባልነት የብሉን።

13) ተጫራታይ እቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ንባዕሉ ካብቲ ጨረታ እንተግሊሉን ሰዓራይ ጨረታ ዝሰዓረ ምኻኑ ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ውሽጢ 5 (ሓሙሽተ) ተኸታተልቲ መዓልቲታት ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩን ብተጫራታይ ንጨረታ መኽበሪ ዝተትሓዘ ሲፒኦ (CPO) ናብ ትካል ኣታዊ ይኸውን።

14) ውፅኢት ጨረታ ምስተፈለጠን ሰዓራይ ትካል ውዕሊ ምስኣሰረን ሰዓራይ ንዘይኮነ ተጫራቲ ንመኽበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ሶፒኦ ዝምለሰሉ ይኸውን።

15) ውፅኢት ጨረታ ምስተፈለጠ ኣብ ውፅኢት ጨረታ ቅሬታ ዘለዎ ተጫራቲ ኣብ ውሽጢ 3(ሰለስተ) ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ቅሬትኡ ብፅሑፍ ከቅርብ ይግባእ።

16) ዝሰዓረ ተጫራታይ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ሚኢታዊ) ናይ ስራሕ ኣፈፃፃማ (unconditional Performance Bond) ኣትሒዙ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ትካል ማይክሮፋይናንስ ሰሜን ብኣካል ቀረቡ ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ።

17) ሰዓራይ ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7 (ሸውዓተ) ተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያን ወፃኢን ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣክስዮን ማይክሮፋይናንስ ሰሜን ክፍሊ ንብረት ከቕርብ ዝኽእል።

18) ብሰዓራይ ተጫራቲ ኣብ ዝቐርብ ኮምፒውተርን ተዛመድቲ ኣቑሑትን ዝኾነ ይኹን ግድፈት እንተልይዎ መቕረባይ ብመሰረት ዝቐረበ ዝርዝር መግለፂ ንብረት (Specification) ክትክእ ግቡእ ኣለዎ።

19) ሰዓራይ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ከየቕረቦ ካብ ዝተረፈ ጠቕላላ ናይቲ ውዕሊ ዋጋ 10% (ዓሰርተ ሚኢታዊ) ክሳብ ዝበፅሕ በብመዓልቱ ብ0.1% (ባዶ ነጥቢ ሓደ ሚኢታዊ) ቅፅዓት ዝኸፍል ይኸውን።

20) ዝሰዓረ መቕረባይ ውዕሊ እንተፍሪሱ ንስራሕ ኣፈፃፅማ (Perforrnance Bond) ዘትሓዞ ገንዘብ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐፂዑ ናብ ትካል ኣታዊ ይኸውን። ሰዓራይ ውዕሊ ብምቁራፁ ኣብ ዓዳጊ ትካል ዝበፅሕ ጕድኣትን ክሳራን መቕረባይ ካሕሳ ክኸፍል ብሕጊ ዝሕተት ይኸውን።

21) ትካልና ሰዓራይ ንዘቕርቦም ኣቑሑት ክፍሊት ዝፍፅም ፅሬት ዝቐርብ ንብረት ንከረጋግፁ ትካል ዝወከሎቶም ኣግባብነት ብዘለዎም ሰብ ሞያ ተረጋጊፁ ምስ ሓለፈን ናብ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ምስኮኑን እዩ።

22) ነቲ ጨረታ ብዝኾነ ምኽንያት ንምዝባዕ፣ ንምድላል፣ ንምብርባር ወይ ተመሳሳሊ ጥፍኣት ዝፈፀመ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ ተገይሩ ተጫራይ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ተገይሩ ብናይ ኢትዮጵያ ሕግን መምርሕን ዝዳነ ይኸውን።

23) ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ። 24) ንዝበለፀ ሓበሬታ ሞባይል ቑፅሪ +251 93 855 5222 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምዃኑ ንሕብር።