ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

መሳርሒ ፅሕፈት : አቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ:  ኣቅሑት ኤሌክትሪክ : ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃ : መለዋወጢ መኪና ጎማን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ኣብቲ ጨረታ ክሳተፍ ዝደሊ ኣቅራቢ ከማልኦ ዝግባእ መስቲ ዝቅርቦ ኣቅሓ ተዛማዲ ዘለዎም ሕጋዊ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፈቃ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ግበሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ወይ ቲን ናይ መንግስታዊ ዕደጋ መቅረባይነት ከቅርብ ዝክእል

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይ ቫት ተመዝጋቢ ምኮንኩም ዝገልፅ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

4 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ መከበሪ 3000 / ሰለስተ ሽሕ / ቅርሺ ብናይ ኢትዩጰያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተዉሃቦም ባንኪታት ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል

5 ሰዓርይ ጨረታ ሰዓራይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ ዓሰርተ ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ኣትሒዙ ኣብ ወሽጢ 3 መዓልቲታት ዉዕሊ ኣሲሩ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 7 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮልጅ ኪነ ጠባባት ክልል ትግራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝክእል

6 ሰነድ ጨረታ መግዝኢ 50 ቅርሺ ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ 23/5/2016 ዓም ክሳብ 15 /6/2016 ዓም ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ አታዊ ክገብር አለዎ

7 ሳነዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ 15/6/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ 15/6/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን

8 ኣብ መንግስታዊ ቤት ዕዩ ኣብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ ኣቅሑትን ግልጋሎት መቅረበቲ ዘረጋግፅ ዝተሐደሰ መለለይ ካርዲ ቅዳሕ ገይሮም ከታሕዙ አለዎም

9 ተጫረቲ እንትክፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ክርከቡ ንዕድም

10 እቲ ኮሌጅ አብቲ ጨረታ ዝሐተቶ ከምኩነታቱ 20 ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስን ይክእል

11 እቲ ኮሌጅ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቢ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342409467 / 0914413007 / 0914748720