ቤት ፅሕፈት ምልዓልን ምውዳብን ህዝቢ

ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ምልዓልን ምውዳብን ህዝቢ ኣብ ናይ 2016 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ንዝተፈላዩ ግልጋሎ ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፣ ናይ መኪና ጎማን ቸርክዮን ከምኡ ድማ ፈርኒቸር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲ ክዕድግ ስለ ዝደለየ እዞም ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡን ንክትወዳደሩ እትደልዩን መቕረብ ክትወዳደሩ ፃውዒቱ ብኣኽብሮት የቕርብ

ብተወዳደርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ረቛሕታት

1. ናይ ዘመኑ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ መፍለዪ ቁፅሪ / ቲን ናምበር / ናይ ግብሪ ከፋላይ ፣ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ፣ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዲክሌር ዝገበርሉ ከምኡ እውን ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

2. ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት 13/05/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/05/2016 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብር 500 /ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ክትወስዱ ትኽእሉ፡፡

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/05/2016ዓ/ም በቲ ዕለት ልክዕ ሳዓት 4፡00 ናይ ቅድሚ ሳዓት እንትኸውን ጨረታ ዝኸፈተለ ብተመሳሳሊ ዕለት 23/05/2016 ዓ/ም ልክዕ ሳዓት 4፡30 ናይ ቅድሚ ሳዓት ሕጋውያን ተወዳደርቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት፡፡ ጨረታ መኽፈቲ ብካላንደር ኣብ ዝዕፆ መዓልቲ እንተዳኣውዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሳዓት ይኸፈት ፡

4. ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት ቸክ ፡ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌቴር ኦፍ ክረዲት (CPO) ብር 50,000 ን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ፤ 15,000 ብር ንናይ መኪና ጎማን ቸርክዮን ከምኡ ድማ 15,000 ብር ንናይ ፈርኒቸር በቢ ዘርፊ ስርሑ ብሽም ቤት ፅሕፈት ምልዓልን ምውዳብን ህዝቢ ከትሕዝ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

5. ሰዓራይ - ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝወፀ ስፐስፊኬሽን መሰረት ካብ ጠቕላላ ዋጋ ውዕሊ 10% መኽበሪ ውዕሊ ኣትሒዙ ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣቕሪቡ ከረክብ ዝኸእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

6. መቕረቲ ኣብ ሕድ ሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኹም ከምኡ እውን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዕን ናይ ትካልኩም ማህተም ሽምን ፌርማን ዝዓረፎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቮሎፕ ፖስታ/ ዓሸግኩም ንቤት ፅሕፈት ምልዓልን ምውዳብን ህዝቢ ከ/ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳርን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ኣለኩም፡፡

7. ተወዳደርቲ ዋጋ እንትመልኡ ቫት ዝሓወሰ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወልኩም ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ንክትመልኡ ንሕብር፡

8. ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸውን፡፡

9. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡ ኣድራሻና፣ ትግራይ - መቐለ - ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ቤት ፅ/ት ምልዓልን ምውዳብን ህዝቢ ኢልኩም ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ ኣቲኹም ክትረኸቡና ትኽእሉ::

➢ ንዝተደለየ ሓበሬታ ብሞባይል ቁፅሪ- 0962598495/0914759072 ብምድዋል ክትረኽቡና ሓበሬታ ክትረኽቡ/ ትኽእሉ ኢኹም፡፡