ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ

1.  ናይ 2015 ዓም በቲ ዘፈር ተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተቅርቡ እትክእሉ

2.  መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም

3.  ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ እትክእሉን

4.  ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክእሉን

5.  ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን

6.  መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን አድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ዓሪፍዎ ክተቅርቡ እትክእሉ

7.  ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮ መሬትን ማዕድንን ክልል ትግራይ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ አብ ከምፕሊክስ ህንፃ ኤጀንሲ ምምሕደር መሬት ትግራይ መሬት ከተማ ክልል ትግራይ ዳይሬክትሪት ዕድጋ ፋይናስ ምምሕዳር ንብረትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 228 ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 10 /5/2016 ዓም ክሳብ 20/5/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ዋጋ መሊእኩም ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣታዊ ክትገብሩ አለኩም

8.  ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ናይ ሕትመት 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ናይ ኤሌክትሮነክስ ድማ 15000 ቅርሺ/ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ

9.  እቲ ጨረታ ዕለት 20/5/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ልክዕ በቲ ዕለት ሰዓተ4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ መሬት ማዕድንን ክልል ትግራይ ዳይሬክትሪት ዕድጋ ፋይናስ ምምሕዳር ንብረትን ካልኣይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 228 ይክፈት

10.  ጨረታ ሰዓርቲ ምኮንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ መከበሪ ዉዕሊ ብምሓዝ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲታት ስራሕ ዉዕሊ እትኣስሩ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ንኤሌክትሮኒክስ ኣብ ዉሽጠ 10 መዓልቲ ንሕትመት አብ ዉሽጢ 20 መዓልቲንብረት ክተረክቡ አለኩም

11.  እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0342405423