ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

ን2 ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኮቦርታ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማልኡ ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፡ ቫት ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ 2015 ዓ.ም

ተመዝገብቲ ምዃንኩም መረዳእታ ክተቕርቡ

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 08/05/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ2 ብብር ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሽገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 08/05/2016 ዓ.ም እስካብ ዕለት 24/5/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፡

5. ጨረታ ዕለት 24/5/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሸጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ዝክፈት ይኸውን::

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Perfommance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

8. ተጫረቲ ትካል ካብ ዘቕረቦ ስፐስፍኬሽን ወፃኢ ከቕርቡ ኣይፍቀድን

9. ትካል ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

10. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡