ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

1 ተጫረቲ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ስራሕ ፍቃድን መቅረባይነት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል

2 ቲን መፍለይ ቁፅሪ ዘለዎ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል ከምኡ ድማ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ጨረታ ድሕሪ ምክፋቱ ን 7 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል እቲ ዝፅገን ንብረት ክፅግን ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 2ተ መዓልቲ ናብ ቤት ህንፀት መቐለ ብኣካል ብምምፃእ ብፅሬትን ሰለጤንን ፀጊኑ ከረክብ ዝክእል

3 ሰዓራይ ትካል ንዝሃቦ ግልጋሎት ዝከፈሎ ብር ልዕሊ 3000 /ሰለስተ ሽሕ/ ተኮይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 2 ሚእታዊ ይከፈል ኣብዚ ጨረታ ቫት ተመዝገብቲ ዘይኮኑ እዉን ክወዳደሩ ይክእሉ እዩም

4 ተወዳደርቲ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ድማ ምስቫቱ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ማሕተም ፌርማን ብምግባር ኣብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ተመሊኡ ከቅርብ አለዎ

5 እዚ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 7/5/2016 ዓም ክሳብ 10/5/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ፀኒሑ ሰዓት 4:00 ይከፈት ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ሰዓሪ ኮይኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ ክልተ መዓልቲ 5000 ብር ብጥረ ገንዘብ ዉዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል

6 መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

7 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0942659419 / 0914120805 ምሕታት ይከኣል