ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1.ተጫረቲ ነይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእሉን ከምእዉን ናይ 2015 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም፣ ቫት ተመዝገብቲ ምዃንኩ መረዳእታ ክተቕርቡ ኣትኽእሉ፣

2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ናይ ጨረታ መኸበሪ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዙ ዝኽእሉ፡፡ ካብ 2% ዝነኣሰ ዘትሐዘ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ

3. ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 01/05/2016 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ማይክሮ ፋይናንስ ጨንፈር መቐለ ቁ2 ብብር 50/ሓምሳ ብር ጥራሕ/ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣

4. ናይ ጨረታ ደኩመንት ፖስታ /ስምዒ/ ዝተዓሸገ ከምኡ ድማ ፋይናንሻል ንበይኑ ብፖስታ / ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ክልቲኡ ብዓብይ ፖስታ / ሽምዒ/ ብምዕሻግ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 1/05/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ ዕለት 18/5/2016 ዓ.ም 3፡00 ናይ ንግሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፣

5. ጨረታ ዕለት 18/5/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ብኣባላት ጨረታ ኮምቴ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን እቲ ጨረታ ይኸፈት፡፡

6. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ  5ተ መዓልቲ ናብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዋና ቢሮ ቐሪቡ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8 ተጫረቲ ትካል ካብ ዝቅረቦ ስፐስፍኬሽን ናይ ፋይናንስ ሰነድን ወፃኢ ከቅርብ ኣይፍቀድን

9. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፣

10. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምርካብ ይካኣል እዩ፡፡