ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ

 በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ተጫረቲ፤

1. ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቓድ ኣብ ዘለኩምን ኣብዚ ባጀት ዓመት ዘሓደሰኩም ወይ ድማ ግብሪ ዝክፈልኩም።

2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን/ ካርድዘለኩምን ፤ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ካርድ ዘለኩም፤ ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም፤ ናይ ወርሓዊ ዲክላሬሸን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቕምቲ 2016 ዓ/ም መረዳእታ እትኽእሉ ንሓደ ዶክሜት ዘይምለሰ ብር 100 / ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ሰራሕ ዕደጋን ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ብምውሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 9/04/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 19/04/2016 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢነቨሎፕ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታው ይከኣል።

3. ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 19/04/2016ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 8:30 ድማ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ይኽፈት ተዘይሃለውን ኣብ ውሸጢ ሳንድቕ ዝተረከበ ፖሰታ ብሰርዓት ይክፈትን ይግምገምን ።

4. ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ መኪና ሰፔር ፖርት መኽበሪ ጨረታ ዝኸውን ብር 5000 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር / ብCPO / ከትሕዙ ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ኣለዎም።

5. ተጫረቲ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፈርማን ባዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ሰርዝ ድልዝ እንተኾይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎን።

6. ተጫረቲ ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሩ ይኩን ዘይሰዓሩ ተወዳዳርቲን ኣብ 3+ መዓልቲ ውሽጢ ብፅሑፍ ምሰ ቀረበልኩም ቅሬታ እንተዘይቀሪብኩም ብድሕሪኡ ንዝመፅእ ዝኮነ ይኩን ቅሬታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር።

7. ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫረቲ ኣብ ውሽጢ 5 ̊ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዝትሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግሰቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

8. ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንሰ ወረዳ 2+ ኣውላዕሎ ክርክብ ይግባእ።

9. ቤ/ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምሰራዝ መሰሉ ሕልው እዩ። ቤ/ፅሕፈት ል/እቶትን ምምሕዳር ፋይናንሰ ወረዳ 2 ኣውላዕሎ ንተወሳኺ ሓበረታ ሰ/ቁ ሞባይል 0932326414 / 0914741258/