ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

ስለዝይ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም፡፡

1. ኣብ ናይ ፅሕፈት መሳርሒኣቑሑትን መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ጎማን ንዝሳተፉ ትካላት ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ን/ፍቓድ ፣ቲን ቁፅሪን መቅረባይነትን ቫት ተመዝገብቲን ክኾኑ ይግባእ። ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5,000/ሓሙሽተ ሽሕ/ ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ጎማን ብር 5,000/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና፣ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስናን ጥረ ገንዘብ ወይ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ናይ ክፍሊት ትእዛዝን።

2. ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ንፅሕፈት መሳረሒ ኣቑሑትን መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ዘይምለስ ብር 50 /ሓምሳ ብር/ ብምኽፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱትኽእሉ።

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 15/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኸፈት።

4. ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝቃለሐሉ /ዝልጠፈሉ/ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቕሓ/ስፐሲፊክሽን/መሰረት ካብ ዕለት 04/04/2016 ዓ/ም ክሳብ 15/04/2016 ዓ/ም ኾይኑ ሰነድ ምስተገዝአ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ብምንፅፃር ብክልተ ፖስታ ዝቐርብ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጊዜ 15 መዓልቲ ይኸዉን።

5. ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኣብ ኮምፕሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ ፣ ህንፃ 1/Block 1/ ኣብ 1ይ ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን እዩ።

6. እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

7. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400158/0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል'ዩ