ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሕታት

  1. Â ሕጋዉን ነናይ ባዕሎም ዘፈር ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድን ቲን ናምበርን ዘለዎም ናይ 2008 ዓም ዘሐደሱ
  2. Â ተጫረቲ ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ናይ 2008 ዓም ዘሐደሱ
  3. Â ተጫረቲ ቫት ምዝጉባት ኮይኖም ናይ ወርሒ ጥሪ 2008 ዓ/ም ደክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  4. Â ተጫረቲ ኣብ ዘቅርብዎ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ክከዉን አለዎ
  5. Â Â ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ከምኡ እዉን ዝተማልአ ደከመንት ኣብ ዘቅረብሉ ይኽፈት
  6. Â ጨረታ መከበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት 3000 ቅርሺ ፣ንአቁሑት ፅሬት 1000 ቅርሺ ኢንዳስርያል ማተርያል 4000 ቅርሺ፣ ንኤለክትሮኒክስ 5000 ቅርሺ፣ ንፈርኒቸር ምቅራብ 2000 Â ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ
  7. Â እቲ ጨረታ ብዝተፈላለዩ ምክንያት ከዛብዑ ዝፍትኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃአ ገይሩ ዘትሓዝዎም ትሕጃ ናብ መንግስት ካዝና አታዊ ብምግባር ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር
  8. Â ተጫረቲ ድሕሪ እቲ ናይ ጨረታ ሳጥን ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ከምኡ ንዝበለ ዘትሐዞ ትሕጃ ኣይምለሰሎምን
  9. Â ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሰነድ ሽምን ፊርማን ማህተምን ከስፍሩ አለዎም
  10. Â ተጫረቲ አብ ዘቅረብዎ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸዉን አለዎ
  11. Â Â ተጫረቲ ዘቅረብዎ ደኩመንት ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ነንበይኑ ዓሺጎም ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ይፀሓፍ
  12. Â ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን 45 መዓልቲ ይኸዉን
  13. Â ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከይዲ /ስራሕ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ኮይኑ ናይ ዋጋ ሰነድ 50 ቅርሺ ጥራሕ ይከዉን
  14. Â ጨረታ ዝዕፀወሉ 11 መጋቢት 2008 ዓም በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ሰዓት 5፡ 00 ተዓሺጉ ሰዓት 5፡30 ይክፈት
  15. Â እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፈል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0343400033 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል