ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት

1.  ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ ግብሪ ኸፋላይ መለለዪ ቑፅሪ(ቲን ቑፅሪ) ን ናይ ቫት ሰርተፍኬትን ናይ ቀረባ እዋን ናይ ቫት ዲክላረሽን ብቅዳሕ (ኮፒ) ከተሓሕዝ ዝኽእል።

2.  መጫረቲ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ንብ/ምምሕዳር ምውሳድ ይኽእሉ።

3.  መጫረቲ ሰነድ ንተወዳደርቲ ክፉት ኮይኑ ዝፀንሕ ካብ ዕለት 03/04/2016 ክሳብ ዕለት 12/04/2016 ሰዓት 3፡30 ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 12/04/2016 ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቐትሪ ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ወከልቶም ዋላ እንተዘይተረኪቦም ጨረታ ንምክፋት ዘፀግም ኩነታት እንተዘይተረኪቡ ጨረታ ምክፋት ይከኣል አዩ፡፡

4.  ተጫረቲ 3,000 (ሰለስተ ሽሕ ብር) ጨረታ መኽበሪ ብጥረ ገንዘብ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝኽእል።

5.  ኣብ ፖስታን ኣብ መጫረቲ ሰነድኩም ናይ ትካልኩም ማህተም ክዓርፎ ይግባእ

6.  ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዚ ጨታ ካብ ዝተኸፈተ ን 7 መዓልታት ይኸውን

7.  ተዓዋታይ ሰዓራይ ምኳኑ ብደብዳቤ ካብ ዝተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ናይ ዝሰዓሮ ጠቕላላ ዋጋ 10% (ሚኢታዊ) ውዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ውዕሊ ዝኣስር።

8.  ተዓዋታይ ውዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ናይ ዝሰዓሮ መለዋወጢ ኦርጅናል ከቅርብ ዝክእል።

9.  ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል መብቱ ዝተሓለወ እዩ።

10. ተጫራቲ ድሕሪ ጨረታ ምዕፃዉ ካብ ጨረታ ምውፃእ ኣይከኣልን፡፡

11. ንዝበለፀ ሓበሬታ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቑፅሪ 34 ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ፡፡