ማሕበር መቐለ ህንፃ መሳርሒ ዕደጋ ማእኸል

ምልክታ ጨረታ

1. ማሕበርና ንህንፀት ዕዳጋ ማእኸል ዝኾን ዕርየቶም ዝሓለዉ ናይ ኮንስትራክሽን ማተርያል ማለት ቴንዲኖ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰርት ተጫረቲ ንምሳታፍ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሕታት ከማልኡ ኣለዎም:-

2. ናይ 2015 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ::

3. ተጫረትቲ ብማሕበርና ስም ሲፒኦ/CPO/ 100,000 ብር ኣስሪሖም የቕርቡ::

4. ምስዚ ተተሓሒዙ ቐሪቡ ካብ ዘሎ ዘድሊ መጠን ናይቲ ማተርያል በዝሒ/Quantity/ ብ20% ክቕንስ ወይ ክውስኸ ከምዝኸእል ኣብ ግምት ውሽጢ ከእትዉ ይግባእ::

5. ዕርየት ዘይብሎም ማተርያል ንዘቕርብ ብበዓል ሞያ ተራእዩ Test ተገይሩ/ እንተዘይሓሊፉ ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ይምልስዎ

6. መዐቀንታት ዘማልኡ ኩሎም ተጫረቲ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ሓሙሽተ/5/ ተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልትታት ውሽጢ ማለት ካብ ዕለት 01/04/2016-05/04/2016 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ብምዉሳድ ክወዳደሩ ይኸእሉ::

7. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መሊኦም ምስ ንግዲ ፍቓድ ኮፒ ብምትሕሓዝ ኣብ ካኪ ፖስታ ዓሺጎም ማህተም ዓሪፍዎ ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

8. እዚ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዕለት 05/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተዘይተረኺቦም ግና ብዘየለውሉ ጨረትኦም ይኸፈት::

9. ማሕበርና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብኸፋል ናይ ምስራዝ ሕጋዊ እዩ።

10.ንተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ማ/መ/ህ/መ/ዕ/ማ ጥቓ ገንፈል ሆቴል ዝርከብ ቤት ብምቕራብ ወይ ድማ ስልኪ ብምድዋል ምሕታት ይከአል ናይ ቤት ፅሕፈት ስ/ቁፅሪ 0914261958