ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ስለዋ

ኣብቲ ጨረታ ምስታፍ እትደልዩ ነጋዶ ካብ ዕለት 27/03/2016 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 07/04/2016 ዓ/ም ዘይምለስ ብር 50.00 ብምክፋል ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ል/እ/ምም/ር ፋይናንስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምም/ርን እናመፃእኹም ብምውሳድ ንክትጫረቱ እናዓደምና፡-

መምርሒ ተጫረቲ

1.ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግድ ፍቃድ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2. ናይ ቲን ናምበር መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

3. ናይ ቫት ተመዝጋቢ

4. ናይ መቅረባይነት ን2016 ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል 5. መክበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒንንመኪና መለዋወጢ ኣቑሕትን ነንሕድሕዶም ብር 3000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፖኦ ከትሕዝ ዝኽእል::

6. ጨረታ ሰዓራይ 10% ቅድሚ ውዕሊ ምእሳሩ መክበሪ ውዕሊ ከትሕዝ ዝክእል፡፡

7. ካብ ናይ መረከቢ መዓልቲ ዘሕለፈ መሸነፋይ  በቢ መዓልቱ  1/1000 ብር ዝቅፃዕ ምዃኑ

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምጭብርባር ዝፈተነ ተወዳደሪ ብሕጊ ተሓታቲ ከም ዝከውን

9. ኣብ ሰነድ ጨረታ ግልፂ ዘይኮነ ብፅሑፍ ምሕታት ከም ዝከኣል

10. እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎን ናይ ተጫራታይ ማህተምን ፌርማን እንተዘይዓሪፍሉን ካብቲ ጨረታ ይስረዝ

11. ጨረታ ሰነድ ሓደ ኦርጅናል ምስ ኮፒ ኣብ ክልተ ፖስታ ከቅርብ ኣለዎ

12. እዚ ዋጋ ን15' መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ ምዃኑ

13. ንኮ/ር ቀለምን ካልኦት ቀለማትን ብበዓል ሞያ ተረጋጊፁ ዝኣቱ እንትከውን ብተወሳኪ ድማ ናይ 3 ወርሒ ውስና ዝህብ ምኳኑ

14. ከምኡ እዉን ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሕት ብባዓል ሞያ ጋራዥ ትክክለኛነቱ ተረጋጊፁ ዝኣቱ ምዃኑ 

15. ተጫረታይ ናይቲ ንብረት መጋዓዝያ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናብ ዝተጠቀሰ ቦታ ማለት ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ስለዋ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ከቅርብ ዝክእል

15. ኣብ ዝተገበረ ጨረታ በጀት መሰረት ብምግባር ናይ በዝሒ 20% ምውሳክ ወይ ምቅናስ ከም ዝከኣል

16. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ጨረታ ሳንድቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 08/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ተጫረቶም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፣

17. ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት /ስፔር ድማ ብተመሳሳሊ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 5፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት፣

18. ዝኣተወ ጨረታ ሳንዱቕ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪሉ ዋላ እንተዘይ ተረኺቦም ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ናይ ምኽፋት ግዴታ ኣለዎ፡፡

19. ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው ከም ዝኮነ ፡፡