እስጢፋኖስ ኣጠቃላይ የማሽነሪ ኣገልግሎት ሓ/ዝተ/ው/ማሕበር

ናይ ሳብመርሲብል ፓምፕ ግልፂ ጨረታ ምልክታ


1. እዚ ጨረታ ካብ ሕዳር 28/03/2016 ዓ.ም ከሳብ ታሕሳስ 11/04/2016 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕ እንትኾን ታሕሳስ 11/04/2016 ድሕሪ ቐትሪ 11:30 ይዕፆ። እዚ ጨረታ ተጫረቲ ባዕልቶም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡሉ ታሕሳስ 12/04/2016 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 05 ይኸፈት።

2. ተጫረቲ ናይቲ ሳብ መርሲብል ፓምፕ ዝርዝር መረዳእታ ዝገልፅ ናይ ጨረታ መቕረቢ ሰነድ ካብ ትካልና ቢሮ ቁፅሪ 05 ኣብ ስራሕ ሰዓት ብኣካል መፅዮም ምውሳድ ይኸእሉ። በተወሳኺ ነቲ ሳብ መርሲብል ፓምፕ ብኣካል ምርኣይ የድሊ።

3.ተጫረቲ ናይ 2015/2016 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሱን ቫት ዝተመዝገቡን ኮይኖም ነቲ ሳብመርሲብል ፓምፕ ንምግዛእ ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ቫት ሰርቲፊኬት ዘካተተ፤ስም ትካሎም ፊርማኦም ኣድራሻኦምን ብምጥቃስ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቕርቡ ኣለዎም።

4. ኣብዚ ጨረታ ክሳተፉ ዝደልዩ ተጫረቲ ጨረታ መኽበሪ ናይቲ ዘቕረብዎ ዋጋ 5% /ሓሙሽተ ሚኢታዊ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ/CPO/ ብሽም ትካልና ከትሕዙ ኣለዎም። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ተጫረቲ ዋጋ ብምድራኽ ምጭራት ኣይከኣልን።

5. ኣብቲ ጨረታ ዝሐሸ ዋጋ ዘቕረቡ ተወዳደርቲ እዚ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ዘለዉ 3 ናይ ስራሕ መዓልታት ብር 10%/ ዓሰርተ ሚኢታዊ/ በባንኪ ዘተረጋገፀ ናይ ውዕል መኸበሪ /ፐርፎርማንስ ቦንድ/ ብትካልና ስም ብምትሓዝ ናይ ግዝኢት ውዕሊ ስምምነት ምስ ፈፀሙ ኣቐዲሞ ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኽበሪ 5%/ሓሙሽተ ሚኢታዊ/ ሲፒኦ ሽዑ ንሽዑ ይልቀቐሎም ።

6. ነቲ ሳብ መርሲብል ፓምፕ ዝግዝእ ስም ኣብ ቃለጉባኤ እንተሰፊሩ ስም ምቕያር ኣይከኣልን።

8. እቲ ጨረታ ሰዓራይ ተጫሪቱ ዝገዝኦ ሳብመርሲብል ፓምፕ ናይ ግዝኢት ስምምዕነት ውዕሊ ካብ ዝተፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ናይቲ ዝሰዓሮ ኣቕሓ ሙሉ ዋጋ ብምኸፋል ኣብ 06 ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልታት ውሽጢ ኣልዒሎም ክወስዱ ዘለዎም ኰይኑ እንተዘይኣልዒሎም ግና ዘትሓዝዎ ናይ ውዕሊ መኸበሪ/ ፐርፎርማንስ ቦንድ/ ንትካልና ኣታዊ ኮይኑ እቲ ሳብ መርሲብል ፓምፕ ብድጋሚ ንጨረታ ይቐርብ።

9. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ በሙሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።