ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ

1 ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ናይ ወርሒ መስከረም 2016 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥክምሉ መረዳእታ ክተቅረቡ እትክእሉ

2 ናይ 2015 ን 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ከምእዉን ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን አታሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትክሉ

3 መለለይ ቁፅሪ ከፍልቲ ግብሪ ዘለኩም አታሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትክሉ

4 መከበሪ ጨረታ ንመሰራሒ ፅሕፈት 15000 ቅርሺ ንመለዋወጢ ኣቀሑት መኪና ማለት እዉን ስፔር ፓርት 15000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ምስ ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ተወዳደርቲ ንዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሮም ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዚ ናብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ መቀለ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ 200 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ዝመለእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተምን ፊርማን ሙሉእ ኣድራሽ ምስ ቁፅሪ ስልኪ ክገልፁ ዝክእሉ ካብ ዕለት 25 ሕዳር 2016 ዓም ክሳብ 5 ታሐሳስ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ብምፍልላይ ምእታዉ ዝክእሉ ኮይኖም ጨረታ ዝክፈተሉ እዋን ኣብቲ ዕለት ንሱ ልክዕ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከዉን

7 ኣብ ናይ መቅረቢ ዋጋ ዝተመለ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን10 መዓልቲ ይከዉን

8 ብተወሳኪ እዉን ተወዳደርቲ ንሕድሕድ ንብረት እትመልእዎ ተወሳኪ አሴት ታክስ ታሓዊስዎ ትወዳደሩ ከምዘለኩም ክትፈልጥዎ ይግባእ

9 ኣብ ሰነድ ጨረታ ካብ ዝተዉሃበኩም ረቆሒ ወፃኢ ካሊእ ናይ ባዕለኩም ሓሳብ ኮነ ምብርሂ ምሃብ ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ክትፈልጡ ይግባእ

10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ እንትኣስር ዉዕሊ መከበሪ 10 ሚእተዊ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል

11 እቲ ኮሚሽን ዝሐሸ መማረፂ እንተኪቡ ነቲ ጨረታ ብመሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ        

12 ብተወሳኪ እዉን 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ዝከኣል ኮይኑ ተወዳደርቲ መምሊእ ዋጋ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ መቐለ ዝወሰድ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ክከዉን አለዎ

ንዝበለፀ ሐበሬታ   09344406577