ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት

1 ናይ 2015 /2016 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ናይ ግዝኢ ሕዳሳት ዝገልፅ መረዳእታ ካብ ዝምልከቶ ዘርፊ ዘቅርብ ናይ መቅረባይነት ዘይምለስ ቅዳሕ ምስ ዋናን ዝተገናዘበ ዘቅርብ

2 ቲን ቁፅሪን ግብሪ ከፋልን ተወሳኪ አሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገበሉ ወረቀት ምስክር ዘቅርብ

3 ናይ እዋኑ ቫት ሪፖርት አታዊ ዝገበረሉ ቅዳሕ ምስ ዋና ዝተገናዘበ ዘይምለስ ከቅርብ ዝክእል

4 መከበሪ ጨረታ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ኣቀደሚ ከትሕዞ ዝግባእ ብዝፍለጥ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ይከዉን

5 ንመሳርሒ ፅሕፈት ሎት ሐደ 5000 ቅርሺ ንናዉቲ ፅገናን ንምሳርሒ ህንፃ ሎት ክልተ 10000 ቅርሺ ንናዉቲ ኤሊክትሮኒክስ ሎት ሰለስተ 5000 ቅርሺ መወዳደሪ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ መሊኡ ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ዝርዝር መምርሒ ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ካብ 18/3/2016 ዓም 28/3/2016 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ካብ ማእከለ ቤት ህንፀት ዓዲግራት ወናኒ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ክፍሊ ቁፅሪ 9 ብምዉሳድ ዝተመለአ ብምዕሻግ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ እንዳመፃእኩም መወዳደሪ ፖስታኩም ምእታዉ ዝከኣል ምካኑ ንሕብር

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ 28/3/2016 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን

8 ጨረታ ዝከፈተሉ 28/3/2016 ዓም ሰዓት 3:40 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ወናኒ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳራን ክፍሊ ቁፅሪ 9 በዓልም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተከብሉ ዝክፈት ኮይኑ እንትዘይተረኪቦም ዉን ከይዲ ጨረታ ከይተኣጎጎለ ዝተረከበ ፖስታ ጨረታ ተከፊቱ ሕጋዉነቱ ዝረአ ይከዉን

9 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት መራገፍን መፅዓንን መጎዓዓዚን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ብምሽፋን ናብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓዲግራት ፅሬቱ ኣፈቲሹ አታዊ ዝገብር ምካኑን እቲ ቤት ዕዩ 20 ሚእታዊ ናይቲ ዝገዝኦ ንብረት ናይ ምዉስክን ምቅናስን መሰል አለዎ

10 ትካልና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንዝበለፀ ሐበሬታ 0972164349  / 0928937677