ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ አበርገለ የጭላ

ብሬዲዩ ዝተጋወሐሉ ዕለት 5/3/2016 ዓም

1 ስለዚ ልዕሊ ሐደ ሚእቲ ሽሕ ኣብ ትሳተፉ ተጫረቲ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ    ዝኮንኩምን ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘቅረብክምሉን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ወረቀት ምስክር መቅረባይነት እዉን ክተቀርቡ እትክእሉ

3 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ፈቃድ ንገዲ ናይ 2016 ዓም ዘለኩም ዘለከን ሕጋዊያን ተጫረቲ ክትሳትፉ ይዕድም

4 ኣብ ካይዲ ጨረታ ከጭበርብር ዝፈተና ተጫራታይ ካብ ከይዲ ጨረታ ወፃኢ ከምዝከዉን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፍ ከምዝግበር ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ እዉንከምዝዉረስን ፈሊጦም ስርዓት ጨረታ ኣክቢሮም ክኣትዉ አለዎም

5 ዋጋ ጨረታ ፀኑዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 15 መዓልቲ ኮይኑ መከበሪ ጨረታ እዉን 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ እዉን ብብንክ ዝተረጋገፀስፒኦ ከትሕዙ አለዎም

6 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ 4/3/2016 ዓም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋልንተካታታልቲ 5 መዓልቲታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረትን ወረዳ ኣበርገለ የጭላ ቀዳማይ ደብሪ ቁፅሪ ክፍሊ 28 መፂኦም ብምዉሳድ ሰነድ ጨረታ መሊኦም ክእትዉ አለዎም

7 ድሐሪ ሰንዱቅ ጨረታ መዕፀዊ ዝኮነ ይኩን ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት ዝይብሉ ምካን እዉን ክፈልጡ አለዎም

8 ተጫረቲ እቲ ጨረታ መክፈቲ ዕለት 10/3/2016 ዓም ምካኑ ፈሊጦም ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልቲታት ዉዕሊ ዝአሰስሩን ወይድማ ናይ ስራሕ አፈፃፅማ ፕሮፎርማንስ በንድ ድማ 10 ሚእታዊ ናይቲ ዝሰዓርዎ ድምር ዋጋ ከትሕዙ አለዎም

9 እዚ ዘትሓዝዎ መከበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ክሳብ ዉዕሊ ዝኣስሩ ዘገልግል ይከዉን ዉዕሊ ምስኣሰሩ መከበሪ ናይስራሕ ፕሮፎርማንስ በንድ 10 ሚእታዊ ምስ ኣተሓዙ ድማ ይምለስሎም

10 መከብሪ ዉዕሊ አፈፃፅማ ስራሕ ብጥረ ገንዘብ ወይ እዉን ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ዝተሓዝ ኮይኑ ዉዕሊ ብዝኣስርዎ መሰረት ዋና ንብረት ምስ ኣቅረቡ ይልቀቀሎም ወይ እዉን ይምለሰሎም

11 ተጫረቲ ናሐደ ዓይነት ኣቅሓ ዝመልእዎ ዋጋ መዓረ እንተኮይኑ እቲ ንብረት ማዕረ ተማቂሎም ዘቅርበዎ ምካኖም እዉን ክፈልጡ አለዎመ

12 ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተዓሺጉ ዝቀርብ ኮይኑ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ግልፂ ኮይኑ ብናይቲ እቲ ትካል ላዕላዋይ ሓላፊ ተፈሪሙምን ማህተም ዓሪፊዎን ምስ ሙሉእ ኣድራሻኡን ሰነዱን ይቀርብ

13 መረከቢ ሰነድ ጨረታ እዋን ዘብቀዓሉ ግዘ 10/3/2016 ዓም ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ አበርገለ የጭላ ክፍሊ ቁፅሪ 28 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት