ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህ.ወ.ሓ.ት/

1 ናይ ዘመኑ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ መፍለይ ቁፅሪ ቲን ናምበር ናይ ግብሪ ክፋላይ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርተፊኬት ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክሌር ዝገበርሉ ከምእዉን ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል ክክዉን አለዎ

2 ተወዳደርቲ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ካብ ዕለት 03/3/2016 ዓም ክሳብ ዕለት 12/3/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ናየ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብር 50 እናከፈልኩም ክትወስዱ ትክእሉ

3 ጨረታ ዝዕፀወ ዕለት 13/3/2016 ዓም በቲ ዐለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት እንትከዉን ጨረታ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 13/3/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ሕጋዊያን ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊያን ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ጨረታ መክፍቲ ብካላንዳር ኣብ ዝዕፃ መዓልቲ እንተዳኣዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት

4 ተወዳደርቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊተ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕሰና ባንኪ ወይ ብባነኪ ዝተረጋገፀ ሌቴር ኦፍ ክረዲት /ስፒኦ/ ብር 20000 ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት 10000 ብር ናይ ንናይ መኪና ጎማ ባትሪን ከምኡ ድማ 6000 ብር ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ በቢ ዘርፉ ስርሑ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዝ ዝክእል ክክዉን አለዎ

5 ሰዓራይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን መሰረት ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ኣትሒዙ ዉዕሊ መሰረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መገዓዝያን መራገፍን ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣቅሪቡ ክረከብ ዝክእል ክከዉን አለዎ

6 መቅረቲ ኣብ  ሕድሕድ ናይ መወዳደሪ መረዳእታኩም ከምኡ እዉን ኣብ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዕን ናይ ትካልኩም ማህተም ሽምን ፊርማን ዝዓረፎኮይኑ ስርዝ ድልዝ ብዘይብሉ ብኢንቮሎፕ /ፖስታ/ ዓሽግኩም ንዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ አለኩም

7 ተወዳደርቲ ዋጋ እንተመልኡ ቫት ዝሐወሰ ዋጋ ኣብ ዝተዳለወልኩም ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ንክትመልኡ ንሕብር

8 ዋጋ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን45 ናየ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

9 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ኣድራሻና ትገራይ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትገራይ ኣብ ዉሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት መቀለ ኣቲኩም ክትረክቡና ትክእሉ

0914124252 / 0939484384