ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ንመሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ፅሬት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ኮምፒተር  ኣቅሑት መለዋወጢ ኮምፒተርን ፈቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ናይ 2014 ዓም ግብሪ ዝከፈልኩም ናይ 2015 ዓም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩም ወረቀት ምስክረ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘቅርብ ናይ ወርሒ ነሐሰ 2015 ቫት ድክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ክተቅርቡ እትክሉ

4 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ፍቃድ ንግዲ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ 2015 ዓም ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ብግልፂ ዝረአ ክከዉን አለዎ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ምልክት ብምግባር ከቅርብ አለዎ

6 ተጫረቲ ዋና ኣብ ዘይብሉ እዋን ዘቅረብዎ ቅዳሕ ብዝምልከቶ ኣካል ዝተገናዘበ ክክዉን አለዎ

7 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ትካል ዝተኣገደ ነጋዳይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

8 ከይዲ ጨረታ ብኣይአገባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዘሐትንን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጎምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

9 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እነተሃልዩ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

10 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ድምሳስ እንተጋጥም ምልክት ክግበረሉ አለዎ

11 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 15100 ቅርሺ ከትሕዙ አለዎም

12 ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ተጫራቲ ካብ ዕለት 29/2/2016 ዓም ክሳብ 13/3/2016 ዓም ኣብ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እናመፃእኩም ዘይምለስ 50 ቅርሺ እናከፈልኩም ሰነድ ጨረታ ምዉሰድ ትክእሉ

13 እቲ ጨረታ 13/3/2016 ዓም ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ይክፈት

14 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፍለጠሉ ብስፔስፊኬሽን መሰረት ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመልእ መቅረባይ እዩ

15 ተጫራታይ ዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሽል ዉፅኢቱ ብስሩዕ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ድሕሪ 3 ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስረ ዝክእልን ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

16 ዝሰዓረ ተጫራታይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን  ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሐዳር ንብረትን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቁፅሪ ክፍሊ 5 አታዊ ይገብር

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ