ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት

1 ኣብ ዳይቨርሽን እትወዳደሩ ብኣናእሽተይ ንግዲ ትካላት ዝተወደቡ ብብርኪ 9 ብናይማይ ህንፀት ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ብቅዓ ት መረጋገፂ ናይ መቅረባይ ካርዲ ናይ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ሰርትፍኬት ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓምÂ ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

2 ንኩሎም ዓይነታት ጨረታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቲን ነምበር ናይ መቅረባይነት ካርዲ ዝተመዝገኩም ዘለኩም

3 ኣብ አቁሑት መሳርሒ ፅሕፈት ፡አቁሑት ኤለከትሮኒክስ ፡ናይ ሕትመት ስራሕቲ፡ ናይ ንህቢ መሳርሒ አቁሑት እትወዳደሩ Â በቲ ዝተጠቀሰ ዓይነት ዕድጊት ፍቃድ ዘለኩም ናይ መቅረባይ ካርዲ ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ዘለኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም

4 ናይ ቫት ዲክላረሽን በቢወርሒ አታዊ ዝገበረሉ ክሳብ ጥር 30 2008 ዓም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዘተሓሕዝ ክከዉን አለዎ

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ን አቁሑት መሳርሒ ፅሕፈት ፡አቁሑት ኤለከትሮኒክስ ፡ናይ ሕትመት ስራሕቲ፡ ናይ ንህቢ መሳርሒ አቁሑት Â ካብ 24/ 06 /2008 ዓም Â ክሳብ 8/ 07 /2008 ዓም ሰዓት 5 ፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉÂ ኣብ ቤት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዝርከብ ሳፁን ክተእትዉ ትክእሉ

6 አቁሑት መሳርሒ ፅሕፈት ፡አቁሑት ኤለከትሮኒክስ ፡ናይ ሕትመት ስራሕቲ፡ ናይ ንህቢ መሳርሒ አቁሑት ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 8 /07/ 2008 ዓም ሰዓት 5፡ 30 ናይ ንግሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

7 ንዳይቨርሽን ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ 24/ 06/ 2008 ዓም Â ክሳብ 9/ 07/ 2008 ዓም ሰዓት 5 ፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብሓደ ዓብዩ ፖስታ ተጠቅሉ ተዓሺጉÂ ኣብ ቤት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዝርከብ ሳፁን ክተእትዉ ትክእሉ

8 ንዳይቨርሽን ዝክፈተሉ ዕለት 9/ 07/ 2008 ዓም ሰዓት 5፡ 30 ናይ ንግሆ ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 መክበሪ ጨረታ መሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ይርከብ ካልኦት አድለይቲ ዝባሃሉ ሓበሬታ ዉን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ስለ ዘሎ ኣብኡ አምቢብኩም ምርዳእ ትክእሉ

10 ብጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲን ደኣንትን አቁሑት መሳርሒ ፅሕፈት ፡አቁሑት ኤለከትሮኒክስ ፡ናይ ሕትመት ስራሕቲ፡ ናይ ንህቢ መሳርሒ አቁሑትÂ ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ መፅዐንን መራገፍን ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ከረክቡ ክክእሉ ኣለዎም ኣብ ናይ ዳይቨርሽን ስራሕቲ ኣብ 80 መዓልቲ መዓልቲ ተሰሪሑ ተወዲኡ ርክክብ ክፍፀም አለዎ

11 ቤት ፅሕፈት በቲ ዘቅረቦ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ:: ልብ በሉ አብዚ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ መብራህርሂ ክሓትት ዝደለየ መቅራባይ ስልኪ ቁፅሪ Â 0345570156 ወይንድማ Â 0345570157 ደዊልኩም ንናይ ዕዳጋታት ኪኢላታት Â ምሕታት ትክእሉ