ኢጀንሲ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡

2 በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ዕለት 20/02/2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናመፃእኹም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 110 ምውሳድ ይካኣል።

3 ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 23/02/2016 ስዓት 03፡00 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሸግ፡፡

4 ፕሮፎርማ ዝኽፈተሉ ዕለት 23/02/2016 ስዓት 03፡30 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡ 

5 እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

6 ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከረክብ ዝኸእል።

7 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

8 ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9 ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

10 ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-01-77 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።

ምስ ሰላምታ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ