ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረsሒታት

1. በዚ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ ኮይኑ ናይ'ዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ኸፊሎም ንግዲ ፍቓዶም ዝተሓደሰ ።

2. ቲን ቁፅሪ ዘለዎምን ቫት /TOT/ ተመዝገብቲ ምዃኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉን።

3. ናይ ጨረታ መኽበሪ ውሕስና ካብ ጠቕላላ ዋጋ 2% ብርPO ብሽም ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ከትሕዝ ዝኽእል።

4. እዚ ሰነድ ኣብ ሕጊ ከም ውዕሊ ኮይኑ ዘገልግል ምኻኑ ክፍለጥ ይግባእ።

5. ካብዚ ናይ ቤትፅሕፈትና ዋጋ መቕረቢ ወፃኢ ዝቐረበ ተቐባልነት ስለዘይበሉ ኣብዚ ዝተውሃበኩም ዋጋ መቕረቢ ጥራሕ ይምላእ።

6. ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 7ተ ተከታታሊ መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ናብ ቤት ኣምፂኡ ከረክብ ዝኽእል፡፡

7. ቤት ዕዮ ከም ኣድላይነቱ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20%/ዒስራ ሚኢታዊ/ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምውሳኽ መሰል ኣለዎ።

8. እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማለኡ ትካላት ካብ ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ፋይናንስ ክፍሊ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር /ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ክትወስዱ ትኽእሉ።

9. ሰዓራይ ምስዓሩ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ ቅሬታ መቐበሊ 3ተ መዓልቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ክፍርምን መኸበሪ ውዕሊ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ካብ ናይ እቲ ውዕሊ ጠቅላላ ዋጋ 1ዐ% ውዕሊ መኸበሪ ከትሕዝ ኣለዎ።

10. መቅረባይብውዕሊ መሰረት ኣታዊ ካብ ዘይገበሮ ንብረት በቢ መዓልቱ ዐ.1% ቅፅዓት ይኸፍል። 11. እዚ ጨረታ ግልፂ ዘይኾነሉ ዝኾነ ሕቶ ዘለዎ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክቐርብ ኣለዎ።

12. እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 14/02/2016 ዓ.ም ክሳብ 21/02/2016 ዓ.ም ጨረታ ምዕዳግ ዝከኣል እንትኸውን እዚ ጨረታ ዕለት21/02/2016 ዓ.ም ሰዓት 3፡00 ቅ/ቀትሪ ተዓፅዩ ኣፍቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ቅ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ 6ይ ደብሪ ፋይ/ምም/ርን ቢሮቁፅሪ 19 ይኽፈት።

13. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ _ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ኣድራሻ፦ ኣብ ጥቓ ዋና ቤትፅሕፈት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ህንፃ ማሕበር ጉዱኣት ኵናት ትግራይ ፋይምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 19 6 ደብሪ እዩ። ንተወሳኺሓበሬታ፦ ሞባይል፡ 0914- 765389/0914700869