ቤት ፅሕፈትና ከተማ ልምዓት ክ/ከተማ ቐ/ወያነ

ናይ ህንፃ መሳርሒ/ስሚንቶ/ችርቻሮ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ንዘለኩም ነጋዶ ብዕለት 21/01/2016 ዓ/ም ብዝወፀ ምልክታ መሰረት ከም ዝተመዝገብኩም ዝፍለጥ እዩ ይኹን እምበር ሐዚ ዝተወሰነ ኮታ ተረኺቡ ስለ ዘሎ ኣብ ጳጉሜን 2015 ብዝወፀ ምልክታ መሰረት ኣብ ከይዲ ስራሕ ምልማዕ ንግዲ ቀዳማይ ወያነን ኣዲስ ኣለምን ዝተመዝገብኩም ኣብዚ ዳሕረዋይ ዘይተመዝገብኩም/መረዳእታ ዘየማላእኹም/ነጋዶ ብኮሚቴ ምልመላ ነጋዶ ስሚንቶ ምልመላ ስለ ዝካየድ ብመሰረት መምርሒ ምልመላን ምሕደራ ዕዳጋ ስሚንቶን ዝተቐመጠ ሮቛሒታት ከም ዝስዕብ ተቐሚጡ ስለ ዘሎ እቲ ሮቓሒታት እተማልኡ ነጋዶ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰሉስ ዕለት 13/02/2016 ዓ/ም ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኹም ኣብ ምልማዕ ንግዲ ቁፅሪ 03 መረዳእታኹም ክተተሓሕዙ እንዳሓበርና ካብቲ ዝተጠቐሰ ዕለትን ሰዓትን ድሒሩ ዝመፀ ዝኾነ ይኹን ቅሬታ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ነፍልጥ፡፡

መመልመሊ ሮቛሒታት

1. ብእዋኑ ዝተሓደሰ ናይ ህንፃ መሳርሒ ወይ ስሚንቶ/ እንተሃልዩዎም/ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎ/ዋ ኮይኑ/ና ቅድሚ ሐዚ ስሚንቶ ዝሽርሽር/ትሽርሽር/ ዝነበረ/ት ይኸውን/ትኸውን ናይ 2016 ዘሐደሰ

2. ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንግዲ ዘይተሳተፈ/ት ምዃኑን/ናን መሸጥን መራገፍን መኸዝን ዘለዎ/ዋ ምዃኑ/ና መረጋገፂ ካብ ንግዲ ቁፅፅር ዘምፅእ

3. ንዝተመደበሉ መጠን ስሚንቶ መግዝኢ ካፒታል ዘለዎ/ዋ ምዃኑ/ና ናይ ባንኪ ድጋፍ/መረዳእታ/ ዘምፅእ

4. ኣብ ግብሪ ምስዋር ዘይተሳተፈ/ት ምዃኑ/ና ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት መረጋገፂ ዘምፅእ/እተምፅእ

5. ኣብ እዋን መኸተ ንጡፍ ተሳትፎ ዝነበሮ/ራ ምዃኑ/ና መረዳእታ ዘቕርብ

6. ክሳብ 2015 በጀት ዓመት ሰነ 30 ናይ ስሚንቶ ወይ ናይ ህንፃ መሳርሒ ፍቓድ ንግዲ ዝነበሮ/ራ

7. ጉድኣት ኣካል ዝኾንኩም መረዳእታ እተቕርቡ

8. መምርሒ ምሕደራን ተበፃሕነትን ስሚንቶ ቁፅሪ 2/2015 ተግባራዊ ዝገብር፣

9. ኣብዚ ዓውደ ስራሕ ትሰርሑ ዝበርኩም ብምኸንያት ኲናት ከቢድ ናይ ኲናት ዕንወት ዝበፀሐኩም ምዃኑ ዝገልፅፅ መረዳእታ ዘለኩም

10 ንስድራ - ስውኣትን ተመለስቲ ሰራዊትን ዝኾንኩም ቅድሚያ ስለ ዝወሃብ ስድራ ስውኣት/ተመለስቲ ሰራዊት/ ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳእታ ተቕርቡ

ምስ ሰላምታ ኮሚቴ ምልመላን